ናይ ምዝካር ዓቕሚ ዘሐይሉ ምኽርታት

ፈለማ ባህርያዊ ሕጊ ምዝካር፡ ክትዝክሮ ንእትደሊ ነገር ብሩህ ክሳዕ ዝዀነልካ ኣጸቢቕካ ኣጽንዓዮ። ነዚ ንምግባር ከኣ ነቲ ነገር ጥልቕ ኢልካ ክትዕዘቦ ኣለካ። ንሓደ ነገር ዓመት ምሉእ ላዕሊ ላዕሉ ካብ ምርኣይ ንሓሙሽተ ደቒቕ ብምሉእ ኣቓልቦ ምጽንዑ ዝበለጸ ዉጺኢት ኣለዎ። እቲ ካልኣይ ባህርያዊ ሕጊ ምዝካር’ዩ፡ ነቲ ነገር ደጋጊምካ ምሕሳብ እዩ። ሓደ ነገር ደጋጊምካ ብምባል ወይ ብምሕሳብ ስፍሪ ዘይብሉ ነገር ምዝካር ከም እትኽእል ይገብረካ። ክትዝክሮ ዝደለኻ ነገር ደጋጊምካ በሎ ወይ ከኣ ሕሰቦ፡ ኣብ ስራሕ ኣውዕሎ፡ ክትዝክሮ እትደሊ ነገር ሓድሽ ቃል እንተድኣዄይኑ ኣብ ዘረባኻ ተጠቐመሉ። ነቲ ነገር ጥልቕ ኢልካ ከይተረድኣካ ተዓሚትካ ምድግጋሙ ግን ዋጋ የብሉን። እቲ ሳልሳይ ባህርያዊ ሕጊ ምዝካር’ዩ። ነቲ ክትዝክሮ እትደሊ ነገር ምስ ካልኦት ነገራት ምዝማድ እዩ። እዚ ማለት ክትዝክሮ ንእትደሊ ነገር ምስ ቅድሚ ሕጂ ትፈልጦም ነገራት ኣተኣሳሲርካ ናይ ምዝካር ሜላ’ዩ። ዝማዕበለ ክእለት ምዝካር ኣብ ዝጸፈፈ ናይ ምዝማድ ብልሓት ዝተመርኰሰ’ዩ። ጽፈት ምዝማድ’ውን ኣብ ክልተ ነገራት ይውሰን። እቲ ሓደ ብዘይ ምቅይራጽ ምዝማድ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ብዝመዝገብናዮ ከነዛምዶ ብእንኽእል ፍልጠት ዝውሰን ዓቐን እዩ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x