ብምቁራጽ ሽጋራ ዝመጽእ ለውጢ

ምትካኽ ሽጋራ ሓደ ካብቶም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ዘለዎም ዝውቱራት ልምድታት ወይ ወልፍታት ኢዩ። ብሰንኪ ምትካእ ሽጋራ ብዝስዕቡ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ጥዕናዊ ጸገማት ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ብቁጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም። ምትካኽ ሽጋር ኣዝዩ ሓያል ወልፊ ብምዃኑ ንምግዳፉ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ፡ ይኹን እምበር ሓደ ሽጋር ዘትክኽ ሰብ ሽጋር ምትካኽ ምስ ዘቆርጽ ኣብ ውሽጢ 20 ደቃይቕ
• ጸቕጢ ደም ናብ ንቡር ይምለስ
• ዓቀን ሙቀት ኣእዳውን ኣእጋርን ናብ ንቡር ዕቀኑ ይውስኽ ድሕሪ 8 ሰዓታት
• መጠን ዓቀን ናይ ካርቦንሞኖክሳይድ ኣብ ደምና ናብ ንቡር ይንኪ
• መጠን ዓቀን ኦክስጅን ኣብ ኣካላትና ናብ ንቡር ዓቀኑ ይውስኽ ድሕሪ 24 ሰዓታት
• ብሕማም ልቢ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ይንኪ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x