ቅሳነት እንታይ ማለት’ዩ?

ቅድሚ ዝኣገረ ህዱእ መንፈስን ካብ ጣዕሳን ጭንቀትን ነጻ ዝኾነ ሕልና ክትሃንጽ ዝለዓለ ድሌትን ትምኒትን ሒዝካ ተበገስ። ሃብቲ ብዘይ ቅሳነት ሓቀኛ ሃብቲ’ዩ ክበሃል ስለ ዘይክእል ጐኒ ጐኒ ሃብቲ ቅሳነት ኣገዳሲ ነገር ምዃኑ ናፖልዮን ሂል ኣስሚርሉ ሓሊፉ። ቅሳነት ማለት፥
=> ካብ ፍርሕን ነብሰ ምትሓትን ዝነቐለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ምዃን።
=> ካብ ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ስምዒትን ድሌትን ናጻ ምዃን።
=> ካብ ባዕልኻ ትፈጥሮ ስጋውን መንፈሳውን ጐነጽ ከምኡ’ውን ንምዕባለኻ ዝድርት ስጉምታት ነጻ ምዃን።
=> ካብቶም ሸውዓተ መሰረታውያን ዓይነት ፍርሕን ሳዕቤናቱን ፍርሒ ድኽነት፡ ፍርሒ ነቐፌታ፡ ፍርሒ እርጋን፡ ፍርሒ ሞት፡ ፍርሒ ምጉዳል ጥዕና፡ ፍርሒ ምስኣን ናጽነት፡ ፍርሒ ምጥፋእ ፍቕሪ ናጻ ምዃን።
=> ካብ ዝተለምደ ድኽመት ደቂ ሰብ ንገለ ነገር ብዘይ ገለ ዓቕሚ ካብ ምቁማት ናጻ ምዃን።
=> ምውናን ሓጐስ ካብ ስራሕን ካብ ፍረ ጻማኻን።
=> ንስኻ ንስኻ ምዃንካ ተገንዚብካ ብሓንጐልካ ምስጓም።
=> ንድሌትካን ዓቕምኻን ኣለሊኻ ኣብ ምዕባለን ጥቕሚ ሓፋሽን ምውዓል።
=> ንምዕባለ ህዝብን ሃገርን በጃ ምዃን።
=> ድሕሪ ሞትካ ንዝኽሰት ጸገማት ብኣስተንትኖ ዘይምጭናቕ።
=> ንሕሉፍ ጌጋታትካ ኣብ ሕሉፍ ናይ ሓንጐል ሳጹን ምልኳት (ምርሳዕ)።
=> ምስ ከባቢኻ፡ መሳርሕትኻ ዝህልወካ ዝምድና ርግኡን ጥዑይን ስድራቤታዊ ዝምድና ምምስራት።
=> እንታይ ክትሰርሕ ከምዘለካ ምሕሳብ እምበር ብዛዕባ ዝመጽእ ሓሲብካ ዘይምህውታት።
=> ዘይተጸበኻዮ ተርእዮ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ስሒቕካ ምሕላፍ።
=> ንምርካብ ምሃብ ንዝብል ኣምር ምቕባል። እወ ቅሳነት ይወልድ! ቅሳነት መስተንክራዊ ሓይሊ ክሳብ ዝኾነ። ብዝኾነ መገዲ እንተኣተግበርናዮ ንዓወታትና ሓጋዚ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x