ቁንጣሮ ብዛዕባ ኰላሊትና….

ኵልና ካብ ሓንቲ ነጥቢ እትንእስ ንጽል ዋህዮ ኢና ህይወት ዝጀመርና። እዛ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ክትርአ እትኽእል ዋህዮ፡ ኣዝያ እተሓላለኸት ንእሽቶ ከሚካዊት ቤተ-ምርምር እያ። ብቕልጡፍ ድማ ትዓቢ። ኣብ ማሕጸን ክሳዕ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቲ ቐንዲ ኣካላትና ቅርጺ ይሕዝ። ኰላሊትና ገለ ካብቲ ኣካላት እየን። ክንውለድ ከሎና: ኰለሊትና ንደምና ከጻርያ: ማለት ንመርዛም ነገራትን ነቲ ዘየድሊ ማይን ኣወጊደን: ጠቓሚ ንጥረ-ነገራት ኪዕቅባ ድልዋት ይዀና። እተን ክልተ ኰለሊትና ጥዑያት እንተ ዀይነን: ነቲ በጽሒ ምስ ኰንና 5 ሊትሮ ዚበጽሕ ኣብ ደምና ዝርከብ ማይ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ 45 ደቒቕ የጻርያኦ!

ኰላሊትና ንመጠን ማዕድን ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣሲድነትን ጸቕጥን ደምና ይቈጻጸራን ሓያሎ ካልእ ዕማም እውን ይፍጽማን እየን። ንኣብነት: ንቪታሚን ዲ ናብ’ቲ ንዕቤት ዓጽሚ ኣድላዪ ዝዀነ ባእታ ይቕይራኦ። ነቲ ኢሪትሮፖየቲን ዝተባህሉ ቐያሕቲ ዋህዮ ደም ኣብ ኣንጉዕ ንኺዳለዉ ዜነቓቕሕ ሆርሞን ድማ የዳልዋ። እምበኣር፡ ኰላሊት “ብሉጻት ቀመምቲ ሰብነትና” እንተተባህላ ዘገርም ኣይኰነን።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x