ቀመም ሽጋራ ንሕማም ረሲዕ የጋድድ

ሓደገኛ ይገብሮ። ብመሰረት’ቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን እዚ ሕማም ኣብቶም ኣትከኽቲ ሽጋራ’ውን ከስፋሕፍሕ ዕድል ከምዝህብ ተገሊጹ’ዩ። እቲ ፈተነ ኣብ ኣናጹ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ሽጋራ ወይ ትምባኾ ዝርከብ መርዛም ቀመም ነቲ ሕማም ከምዘጋድዶን ኣትከኽቲ ሽጋራ ብንእስነቶም ከለው ግዳይ ዕንወት ሓንጎል ከምዝኾኑን እቶም ተመራመርቲ ኣረዲኦም። እተን ኣናጹ ኣብ ዝተወሰነ ዓቐን ትኪ ናይ ሽጋራ ኣብ ዘለዎ ቦታ’ዮም ገይሮመን። ብድሕሪ’ዚ ምስተን ምስ ትኪ ናይ ሽጋራ ዘይተቓልዓ ኣናጹ ኣወዳዲሮመን። እተን ናብ ትኪ ናይ ሽጋራዝተቓልዓ ኣናጹ ድማ ሓንጎል ብዘዕኑ ቀዳማይ ደረጃ ሕማም ኣልዛይመር ተጠቒዐን ተረኺቦመን። ኣብ ሓንጎል ናይተን ኣናጹ ዝተራእየ ዕንወት ድማ ምስቲ ኣብ ሓንጎል ናይቲ ኣልዛይመር ዝሓመሰ ሰብ ዝርአ ምልክታት ዝመሳሰል ኮይኑ ረኺቦሞ። ካብዚብምብጋስድማ፡እቶምተመራመርቲ፡ ብፍላይ መንእሰያት ኣትከኽቲ ሽጋራን ትምባኾን ነዚ ተረዲኦም፡ ምትካኽ ከቋርጹ መኺሮም። ሰፊሕ ትሕዝቶ ናይቲ ኣብ መንጎ ምትካኽ ሽጋራን ሕማም ኣልዛይመርን ኣብ መጽሄት ነቸር ኮሚኑኒከሽን ሰፊሩ ስለዘሎ ግዱሳት ንዝያዳ መረዳእታ ኣብ ኢንተርነት ምውካስ ዝከኣል’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x