ረዲኤት ንግዳይ ሕማም ምንፍርፋር

ሕማም ምንፍርፋር ብልምዳዊ ኣጸዋውዓ “ሕማም ባርያ” ሓደ ካብ ሕዱር ሕማማት’ዩ። ሕዱር ሕማም ምንፍርፋር (epilepsy) ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኣይመሓላለፍን’ዩ። ቀንዲ መለለዪ ናይዚ ሕማም’ዚ፡ ዘይወለንታዊ ምንቅስቓስ ምሉእ ኣካላት ወይ ዝተወሰነ ክፋል ኣካላት ክኸውን ከሎ፡ ምጥፋእ ውኖ፡ ምልዛይ፡ ረሸሽታ፡ ምፍዛዝ፡ ዘይምቁጽጻር ሽንትን ካልእን ከኣ ስዒቦም ክርኣዩ ካብ ዝ ኽ እ ሉ ምልክታት’ዮም። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሓደ ሰብ፡ መቕርብካ ይኹን ጓና ሃንደበት ከንፈርፍር ምዕዛብ ኣሰንባድን ኣርዓድን ተርእዮ’ዩ። ግዳይ ሕዱር ምንፍርፋር ብተደጋጋሚ ምንፍርፋር የጋጥሞ። ሓደ ግዜ ጥራይ ዘንፈርፈረ፡ ሕዱር ሕማም ምንፍርፋር ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ ሰባት ብግዝያዊ ጸገማት ሓንሳብ ከንፈርፍሩ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ከኣ ብርቱዕ ረስኒ፡ ማህረምቲ ርእሲ፡ ወይ ድሕሪ መድሃኒት ምውሳድ ካልእን ክኸውን ይኽእል።

ትሑት ሚዛን ሽኮር ኣብ ደም ከኣ ሓደገኛ ክስተት ምንፍርፋርን ሃለዋት ምጥፋእን ከስዕብ ዝኽእል’ዩ። ንምንፍርፋር ዝመስሉ ምልክታት ብዙሓት’ዮም። ምንቅጥቃጥ፡ መርዘን፡ ዕውለት ከምኡ’ውን ቁሪ-ቁሪ ምባል ንምንፍርፋር ዝመስሉ ምልክታት’ዮም። ብዙሕ ሰብ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምልክታት ከም ምንፍርፋር ጌሮም ይርድእዎም። ሕዱር ሕማም ምንፍርፋር ኣብ ዝኾነ ቦታ ከንፈርፍር ይኽእል’ዩ። ሃንደበታዊ ብምዃኑ ኣሰንባድን ኣርዕድን ኣጋጣሚ’ዩ። ስኑ ከይነክስ ተባሂሉ፡ ኣብ ኣፉ ቢሮ ወይ ዕንጨይቲ ይግበረሉ። ናይዚ እቲ ዝዓበየ ሳዕቤን፡ ተሰይሩ ናብ ሻምብቆታት ኣየር ምስ ዘምርሕ ውጽኢቱ ሓደገኛ’ዩ። ንሓንሳብ’ዉን ከየንፈርፍር ተባሂሉ፡ ኣካላቱ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ወይ ክርቢት ወሊዕካ ምጭናው ይዝውተር’ዩ። እዚ ንጥፈታት ግን ኣርባሒ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ነቲ ሰብ ጭንቀት /ጸቕጢ/ እዩ ዝውሰኾ። ረዲኤት ንግዳይ ሕማም ምንፍርፋር እዚ ከኣ ነቲ ምፍርፋር መሊሱ ነዳዲ ይኾኖን የናውሖን። ንሓደ ዘንፈርፍር ዘሎ ሰብ ሓገዝ ቀዳማይ ረዲኤት ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ረዴት’ዚ ኣብ ዝኾነ ቦታ ብዝኾነ ሰብ ክትግበር ዝኽእል ኮይኑ፡ ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ከኣ ገለ ካ ብ ቶ ም ክ ት ግ በ ሩ ዘለዎም ነጥብታት ተዘርዚሮም ኣለዉ።

• እቲ ንሓገዝ ዝተቐረበ ሰብ ክርበሽ ኣይግባእን፡ ኣብ ከባቢኡ ንዝህልዉ ሰባት ከኣ ከረጋግኦም ይግባእ። • ንዘንፈርፍር ዘሎ ሰብ ካብ ዝስዕብ መጉዳእቲ ምክልኻል። እዚ ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ዝኾነ በሊሕ ነገር ወይ ተሪሪ ክጎድኦ ዝኽእል ነገራት ምእላይ። • ነቲ ሰብ ኣብ መሬት ኣደቅሶ፡ ፈኲስን ልሙጽን ነገር ከም ጃኬት፡ ኣ ብ ትሕቲ ርእሱ ኣቐምጠሉ።

• መነጸር፡ ካራቫታ ወይ ሻርባ ኣብ ከባቢ ክሳዱ ምስ ዝህልዉ ኣልግሰሉ። እዚ ካብ መጉዳእቲ ንምክላኻልን ጽቡቕ ከስተንፍስ ንምሕጋዝን’ዩ። • ንዘንፈርፍር ዘሎ ሰብ ክንሕዞ፡ ወይ ምንፍርፋር ከቋርጽ ብምሕሳብ ዘይምቅላስ። • ብጥንቃቕ ንጋድም ከምዝድቅስ ምግባር ሓጋዚ’ዩ። ምኽንያቱ ንመገዲ ኣየር ንምኽፋት ስለዝጠቅም።

• ብዙሕ ሰብ ንዘንፈርፍር ዘሎ ሰብ መልሓሱ ከይቅርጥም ብምፍራህ፡ ኣብ ኣፉ ነገራት ከእትወሉ ይርአ’ዩ። እዚ ግን ጌጋን ጥቕሚ ዘይብሉን’ዩ። ዝኾነ ነገር ኣብ ኣፍ ዘንፈርፍር ሰብ ክኣቱ ኣይግባእን። • ድሕሪ ምንፍርፋር ሃላዋት ምጥፋእ ክስዕብ ይኽእል። ክሳብ ሃላዋት ዝቆጻጸር፡ ማይ ወይ ካልእ ነገር ምሃብ ኣይግባእን። ሃለዋቱ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ኣብ ኣፉ ንዝመጸ ነገር ክውሕጦ ኣብ ዝፍትነሉ፡ ናብ ሻምብቆ ኣየር ከኸይድን ዝኸፍአ ማዕበስትን ሞትን ከስዕበሉ ይኽእል።

• ምንፍርፍ ክሳብ ዝውድእ ምስኡ ምጽናሕ። እቲ ኣጋጣሚ ክንደይ ደቓይቕ ከምዝጸንሐ ግዜ ንሓዝ፡ እንታይ ከምዘጋጠሞ ዘርዚርና ነዕልሎ።

• ምንፍርፋር ልዕሊ 5 ደቒቕ ምስ ዝቕጽል፡ ወይ ዳግማይ ምንፍርፋር ምስ ዝቕጽል፡ ምብርባር ምስ ዝስእን፡ ኣብ ግዜ ምንፍርፋር መጉዳእቲ ምስ ዘጋጥሞ፡ ግዳይ ሕዱር ሕማም ከም ሽኮርያ፡ ሕማም ልቢ ብቕልጡፍ ናብ ዝቐረበ ትካል ጥዕና እተብጽሓሉ ሕሰብ። ዝኾነ ሰብ ንመጀመርታ እዋን ዘንፈርፈረ ጠንቂ ንምፍላጥ ናብ ሕክምና ክቐርብ ይግባእ። ሕዱር ሕማም ምንፍርፋር (epilepsy) ዝተፈላለዩ ጠንቅታት ኣለዎ። ናይ ርእሲ ማህረምቲ፡ ሕበጥ ኣብ ሓንጎል፡ ወቕዒ ኣእምሮ፡ ረኽሲ ሓንጎል፡ ኣራሰንቲ ሕማማትን ካልእን። ኮይኑ ግን ዝበዝሕ እዋናት፡ ጠንቂ ሕማም ምንፍርፋር ንጹር ኣይኮነን። ፍወሳ ሕማም ምንፍርፋር፡ ጠንቁ ምስ ዝፍለጥ ግቡእ ፍወሳ ጠንቂ ምንፍርፋር ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ጠንቁ ዘይፍለጥ ዓይነት ከኣ ንምንፍርፋር ምቁጽጻር ዝሕግዙ መድሃኒታት ኣለዉ። ግቡእ ክንክን ብምግባር ከኣ ርኡይ ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ። ብዙሓት ሕዱር ምንፍርፋር ዘለዎም ሰባት፡ መድሃኒት ምስጀመሩ፡ ምንፍርፋር ኣቋሪጹ ብምባል ንዝተዋህቦም መድሃኒት ከቋርጹ ይርኣዩ’ዮም። መድሃኒት ጸረ-ምንፍርፋር ንነዊሕ እዋን ዝውሰዱን፡ ብዘይ ኣፍልጦን ምኽርን በዓል ሞያን ኣብ ዝኾነ እዋን ክቋረጽ ዘይብሉ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x