ምዕጻው መዓንጣ ካብ ምንታይ ይፍጠር?

ኣብ ቀረባ ግዜ መዓንጣኡ ተኣሲሩ (ተዓጽዩ) ብመጥባሕቲ ዝሓወየ ቤተ ሰብ ኣለኒ። እቲ ጸገም ብምንታይ ይፍጠር? ክንከላኸሎ ንኽእል ዲና ወይስ ካብ ቍጽጽር ሰብ ወጻኢ’ዩ? ራሄል ካብ ጎዳይፍ ዝኸበርኪ ራሄል መዓንጣ ተዓጽዩ ወይ ተኣሲሩ ዝበሃለሉ ጸገም ጥዕና፡ ነቲ ኣብ መዓናጡ ዝርከብ ክለግስ ዝግባእ ትሕዝቶታት ከይወጽእ ዝዓጹ ኣጋጣሚ ምስ ዝፍጠር’ዩ።
መዓንጣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክዕጾ ወይ ክእሰር ይኽእል፦
• ብባክተርያ ወይ ቫይረስ ዝፍጠር ረኽሲ ምስ ዘጋጥም መዓንጣ ብግቡእ ምስራሕ ይኣቢ።
• ምዝንባዕ ኬሚካላት መዓንጣ ብስሩዕ ከም ዘይሰርሕ ክገብሩ ይኽእሉ።
• ንመዓናጡ ዝምግብ ደም ክወሕድ እንከሎ፡
• ኣብ ውሽጢ ናውቲ ከብዲ ክፍጠር ዝኽእል ከም ናይ በንቲ ሸተ ዝኣመሰለ ረኽስታት፡
• ድሕሪ መጥባሕቲ ዝጋሃድ ሳዕቤናት፡
• ኣብ መዓንጣ ክውተፍ ዝኽእል ባዕዳዊ ኣካል፡
• ክፋል መዓንጣ ናብ ካልእ ክፋል ተዓጺፉ ክደራረብ እንከሎ፡
• መዓንጣ እንድሕር ተጠውዩ ገለ ካብቶም ጠንቅታት ምእሳር ወይ ምዕጻው መዓንጣ ክዀኑ ይኽእሉ። ሰብ ምእሳር ወይ ምዕጻው መዓንጣ ከጋጥሞ እንከሎ፦
• ከብዱ ይንፋሕ ወይ ይሓብጥ።
• ቅርጸት ኣለዎ።
• ሕማቕ ሽታ ትንፋስ ይገብር።
• ድርቀት ክህልዎ ይኽእል ወይ እውን ውጽኣት ይፈጥረሉ።

• ጋዝ ከውጽእ ኣይክእልን ።
• ተምላስ ኣለዎ።
• እቲ ዝሓመመ ሰብ ከይደንጐየ ናብ ሕክምና ዘለዎ ምስ ዝኸይድ፡ ሳዕቤናት ከየምጸአ ብቐሊሉ ዝድሕነሉ መንገድታት ይፍጠር። እቲ ሰብ ምስ ዝድንጒ ግና፦
• ናይ ደም ኬሚካላትን ማዕድንን ይዛባዕ
• መዓንጣ ክቕደድ ይኽእል
• ረኽሲ መዓናጡ ይገብር።
• መዓንጣ ኣብ ዝእሰረሉ ግዜ ደም ብግቡእ ክዘዋወር ስለ ዘይክእል ረኻሲ ቁስሊ ይፍጠር።
• ስለዚ ተደራሪቡ ዝተዓጽፈ ወይ ዝተጠውየ መዓንጣ ረኽሲ ጋንጋሪን ናይ ምፍጣር ዓቢ ተኽእሎታት ኣለዎ። ዓይኑን ቈርበቱን ከኣ ይብጭው።
እዚ ሕማም ብቕልጡፍ ረድኤት ምእንቲ ክረክብ ናይ ሕማም ምልክታት ክስመዖ እንከሎ ሕክምና ናብ ዝረኽበሉ ቦታ ከይደንጐየ ክኸይድ ኣለዎ። ከብዲ ዘይፈኵስ መንፋሕቲ ወይ ሕብጠት እንድሕር ኣርእዩ። ተምላስ እንተተደጋጊሙ፡ ቀልቀል ከይወጸ ወይ እንተደንጉዩ ወይ ጋዝ ምውጻእ እንተኣብዩዎ ሕክምናዊ ረድኤት ናብ ዝረኸበሉ ክቐርብ ኣለዎ። ከመይ ገይርና ክንከላኸሎ ንኽእል ንዝብል ሕቶ ግና፡ ነቲ ጸገም መበገሲ ዝዀኑ ኣብ መዓንጣ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ከም ሀርኒያ ዝኣመሰሉ ሕማማት ከነወግድ እንተኽኢልና ተርእዮ ናይቲ ጸገም ኣብ ምንካይ ክሕግዘና ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ጠንቅታት ምዕጻው መዓንጣ ዝዀኑ ነገራት ክንቈጻጸሮም ኣይንኽእልን።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x