ምውስዋስ ኣካላት ነዘውትር!!

ዕድሜና ብዘየገድስ፡ ዝተማልአ ጥዕና ምእንቲ ኺህልወና፡ ምውስዋስ ኣካላት ከነዘውትር ኣሎና። ብዙሓት ሰባት፡ እኹል ምውስዋስ ኣካላት ኣይገብሩን እዮም። ምውስዋስ ኣካላት ምግባር፡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ኪሕግዝና ይኽእል እዩ፦

  • ጽቡቕ ንድቅስ።
  • ሰብነትና ቕልጡፍ ይኸውን።
  • ድልዱል ኣዕጽምትን ጭዋዳታትን ይህልወና።
  • ንቡር ክብደት ሰብነት ይህልወና።
  • ካብ ጭንቀት ይሰትረና።
  • ነዊሕ ዕድመ ይህልወና። ምውስዋስ ኣካላት ዘይነዘውትር እንተ ዄንና፡ እዚ ዚስዕብ ሓደጋታት ኬጋጥመና ይኽእል፦
  • ሕማም ልቢ።
  • ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያ።
  • ልዑል ጸቕጢ ደም።
  • ልዑል መጠን ኮሌስትሮል።
  • ወቕዒ።

እቲ ክንገብሮ ዚግባእ ምውስዋስ ኣካላት፡ ኣብ ዕድሜናን ጥዕናናን እተመርኰሰ እዩ። ስለዚ ዝዀነ ሓድሽ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት ቅድሚ ምጅማርና፡ ንበዓል ሞያ ሕክምና ነማኽር። ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ን60 ደቒቕ ምውስዋስ ኣካላት ኪገብሩ ከም ዘለዎም እዩ ዚምከር። ዓበይቲ ሰባት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ ን150 ደቒቕ ማእከላይ ምውስዋስ ኣካላት፡ ወይ ከኣ ን75 ደቒቕ ከቢድ ምውስዋስ ኣካላት ኪገብሩ ኣለዎም። እናተዘናጋዕና ክንገብሮ እንኽእል ምውስዋስ ኣካላት ንምረጽ። ኵዕሶ ሰኪዐት ተኒስን ኵዕሶ እግርን ምጽዋት፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ምስጓም፡ ብሽክለታ ምዝዋር፡ ኣታኽልቲ ምክንኻን፡ ዕንጨይቲ ምፍላጽ፡ ምሕንባስ፡ ብታንኳ ምጕዓዝ፡ ምጕያይ፡ ወይ ከኣ ካልእ ዓይነት ኤሮቢክስ ክንመርጽ ንኽእል። እቲ እንገብሮ ምውስዋስ ኣካላት፡ ማእከላይ ወይ ከቢድ ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል? ማእከላይ ምውስዋስ ኣካላት የርህጽ እዩ፡ ከቢድ ምውስዋስ ኣካላት ክትንገብር ከለና ግና፡ ትንፋስና ስለ ዚቈራረጽ፡ ምስ ካልእ ሰብ ምዝርራብ ኬጸግመና ይኽእል።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x