መዓልታዊ ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ምምጋብ ዕምሪ የናውሕ

እቶም ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮሎጅ ለንደን፡ ካብ 2001 ክሳብ 2008 ኣብ ዝተኣከበ ብዛዕባ ጥዕና ህዝቢ ዝሕብር ዳታ’ዮም ትንተና ኣካዪዶም። እቶም ኣብ ኣመጋግባኦም ብብዝሒ ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ዝምገቡ ዝነበሩ ዜጋታት ድማ፡ ዝለዓለ ዕምሪ ዘለዎም ኰይኖም ከምዝረኸብዎም ሓቢሮም። በዚ መሰረት ኣብ ሰሙን፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ፍሩታታትን ኣሕምልቲ ምምጋብ ንተኽእሎ ሞት ብ14%፣ ኣብ ሰሙን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ግዜ ምምጋብ ብ29%፣ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ግዜ ምምጋብ ብ36% ከምኡ ድማ ኣብ ሰሙን ካብ ሸውዓተ ንላዕሊ ፍሩታታት ኣሕምልቲን ምምጋብ ንተኽእሎ ሞት ብ42% ከምዘጉድሎ ኣረዲኦም።

ብዘይካ’ዚ፡ ሓድሽ ኣሕምልቲ ምምጋብ ኣብ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝሓየለ ረብሓ ስለዘለዎ ኣብ ቀዳማይ ደረጃስክራዕ ከሎ፡ሳላጣንፍሩታታትንድማ ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ከምዝስርዑ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም። ከምኡ’ውን ዝቐነየ ፍሩታታትን ፓውደር ሕዋስ ዘለዎን ተጠቒምካ ዝዳሎ ጽማቕ ኣብ ዕምሪ ዝዀነ ጥዕናዊ ረብሓ ከምዘይብሉ ብምሕባር፡ ዕሹግ ፍሩታታት ድማ መሊሱ ተኽእሎ ሞት ከምዘጋድድ እቶም ተመራመርቲ ኣነጺሮም። ሓድሽ ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ጽረምምሽማሽ ባእታ ስለዘለዎም ንዝተሃስዩ ዋህዮታት ጸጊኖም ካብ ሕማማት ናይ ምክልኻል ሓይሊ ዘለዎም ምዃኖም ክኢላታት ይሕብሩ። ኣብ መወዳእታ እቶም ተመራመርቲ፡ ዝበዝሑ ሰባት ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ናይምምግባ ባህሪ ከምዘይብሎምጠቒሶም፡ ካብ ዝተፈላለየ ሕማማት ናጻ ኰይኖም ዝበዝሐ ዕምሪ ንኽጸንሑ ግን መዓልታዊ ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ናይ ምምጋብ ባህሪ ከዘውትሩ መኺሮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x