ሕማም ርእሲ

ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ናይ ርእሲ፡ ክሳድ ከምኡ’ውን ርእስና ጽቡቕ ምስ ዘይስምዓና ዝህሉ ናይ ሕማም ምልክት ማለት’ዩ። መበገሲ ሕማም ርእሲ ብልክዕ ፍሉጥ’ኳ እንተዘይኮነ መብዛሕትኡ እዋን ሕማም ርእሲ ምስ ናብራ ማሕበራዊ ህይወትናን ምንቕስቓሳትናን ምትእስሳር ከምዘለዎ ክኢላታት ይገልጹ። ከም ሓበሬታ ክኢላታት እዚ ዓውዲ፡ ሕማም ርእሲ ኣብ መንኮብና፡ ኣብ ክሳድናን ኣብ ከባቢ ግንባርናን ዝርከብ ጭዋዳታት ምስ ዝጨባበጥ’ዩ ዝፍጠር። ገለ ካብ ጠንቒ መበገሲ ሕማም ርእሲ ተባሂሎም ዝግለጹ፡ ጭንቀት፡ ጸቕጢ፡ ብዝሒ ሃልኪ ዘለዎ ስራሕ፡ ግቡእ ዕረፍቲ ዘይምርካብ፡ መስተን ሓሽሽን ምዝውታርን ካልእን የጠቓልል። ብዘይካ’ዚ ብሰዓልን ካልኦት ብቑሪ ኣብ ዝኽሰቱ ሕማማት ሕማም ርእሲ ክረአ ይኽእል’ዩ።

ሕማም ርእሲ ከከም ደረጅኡ ሕማም ርእሲ ኣብ ብዙሕ ክኽፈል ይኽእል’ዩ። ዕድመ ምድፋእ ዝኣመሰሉ ባህርያውያን መንገድታት ክመጽእ ዝኽእል ሕማም ርእሲ መብዛሕትኡ እዋን ሸለል ዝበሃል ዓይነት ሕማም እኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ክኢላታትን ግን ሕማም ርእሲ ሸለል እንተተባሂሉ ክሳብ ስንክልና ዘብጽሕ ጉድኣት ከስዕብ ከምዝኽእል’ዮም ዝመኽሩ። ሕማም ርእሲ ንምፍዋስ ዝተፈላለዩ ከም ፓናዶል፡ ፓራሲታሞል፡ ኣስታሚናፊን ኣስፕሪንን ዝኣመሰሉ ከኒናታት ክውሰዱ ይኽእሉ’ዮም። እንተኾነ ከም ዮጋን ካልእ ህዱእ ምንቕስቓስን ንሕማም ርእሲ ክፍውሱ ዝኽእሉ ዝበለጹ መንገድታት ከምዝኾኑ ሓካይም ይሕብሩ። ከም ፓናዶልን ኣስፕሪንን ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ምውሳድ ብልክዕ ነዚ ሕማም ክፍውሱን ከዕግሱ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ ኣካላትና ክለምዶም ስለዝኽእል ንተደጋጋሚ ሕማም ርእሲ ክፍውሱ ከምዘክእሉ’ዮም ሓበሬታ ሓካይምን ዘረድእ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x