ሕማም ረሲዕ ብመርመራ ደም ከለልይዎ ዝኸኣሉ ተመራመርቲ

ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ኣብ ሰባት መርመራ ደም ብምግባር ጥራይ ሕማም ረሲዕ ከለልይዎ ከምዝኸኣሉ ቢቢሲ ንመጽሄት ኔቸር መዲስን ብምጥቃስ ሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣብ ደም ዝርከቡ 10 ስብሓዊ ንጥረ ነገር ብምምርማር፡ ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ብሕማም ረሲዕ ክጥቃዕ ዝኽእልን ዘይክእልን ምዃኑ ክፈልጥዎ ይኽእሉ። ውጽኢት ናይቲ ሓድሽ ኣገባብ መርመራ 90 ሚእታዊት ቅኑዕ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ብሕማም ረሲዕ ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት 44 ሚልዮን ከምዝበጽሑን ኣብ 2050 እቲ ኣሃዝ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዓብን ጸብጻባት ሕክምና የመልክቱ።
ሕማም ረሲዕ ክገሃድ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ንሓንጎል ግዳይ ንልዕሊ 10 ዓመት ከምዘጥቅዕ’ዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ። እቲ ሕማም ምስተጋህደ ዝግበር ፍወሳ ኣድማዒ ከምዘይኮነ ድማ የረድኡ። ስለዚ ኣቐዲሙ ዝንጸር ህላወ ናይቲ ሕማም፡ ኣብ ኣገባብ ፍወሳኡ እወታዊ ውጽኢት ከምዝህልዎ’ዮም ኣባላት ጆርጅታውን ዩኒቨርሲቲ ዘረድኡ። ኣብ ሕማም ረሲዕ ኣቐዲምካ ዝግበር ኣገባብ ፍወሳ ኣድማዒ ውጽኢት ከምዝህልዎ ብምጥቃስ ድማ እዚ ሓድሽ ርኽበት ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ይገልጹ። ግኑን ዓይነት ሕማም ረሲዕ ማለት እቲ 62 ሚእታዊት ‘ኣልዛይመርስ’ ዝተባህለ’ኳ እንተኾነ፡ ዓይነታት’ቲ ሕማም ሚእቲ ከምዝበጽሕ ክኢላታት ይጠቕሱ። ኣብ ሓንጎል ግዳይ ብብዝሒ ዋህዮታት ክሞቱ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ሕማም ረሲዕ ክገሃድ ይኽእል። እቲ ፈውሲ ዘይብሉ ሕማም ምስ ግዜ እናገደደ ዝኸይድ ኮይኑ፡ ንናይ ቋንቋ፡ ናይ ምርዳእ፡ ናይ ምልላይን ምዝካርን ክእለት ዘጥፍእ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x