ሒቕታ

ሓደ ሰብ ኣብ ምሉእ ዕምሩ ሒቕታ ከይሓዞ ወይ ሒቕ ከይበለ ዝሓልፍ የለን። ሒቕታ ሓንሳብ ወይ ድማ ብድግምጋም መልክዕ የጥቅዕ። ይኹን’ምበር ብርተዐን ፍልልይ ግዜን ተመሳሳሊ እዩ። ብሓፈሻዊ መግለጺ ግን ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ድግምጋም ሒቕታ ብዘይ ዝዀነ ምትእትታው ባዕሉ’ዩ ዝገድፍ። ግን ሓደ ሰብ ብሕዱር ሒቕታ ይሽገር እንተሎ፡ ግድን ሕክምናዊ ተፍትሽ ስለዘድልዮ ሕብረሰብ ክነቕሓሉ ይግባእ። ጠንቅታት፦ ሒቕታ ሃንደበታዊ ምጭባጥ ጭዋዳ ድያፍራም ኰይኑ፡ ድያፍራም ድማ ሓደ ካብ ቀንዲን ኣገደስቲን ጭዋዳታት ስርዓተ እስትንፋስ እዩ። ንሒቕታ ከላዓዕሉ ዝኽእሉ ጠንቅታት ሰዓል፡ ምውሓጥ ኣየር፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ምብላዕ፡ ውጡር ስምዒት (ፍርሂ፡ ሓጐስ፡ ባህታ፡ ጭንቀት)፡ ትሕዝቶ ጋዝ ዘለዎም መስተ፡ ሓሽሽን ሰሓቕን እዮም። ከም ጅንጅብልን ጕዕበርበረን ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ሒቕታ ከምዘስዕቡ’ውን ይፍለጥ። ንሒቕታ ጠንቅታት ዝዀኑ ሕዱር ሕማማት ድማ፡ ፍሽለት ኵላሊት፡ ሕማም ማእከላይ ስርዓተ መትኒ፡ ወቕዒ፡ ኣንቅጺ፡ ሕማም ጕሳዕ ስርዓተ ምሕቓቕን ካልኦትን ምዃኖም ሓካይም ይሕብሩ። ብሕዱር ሕማማት ዝመጽእ ሒቕታ ግድን ሕክምናዊ ተፍተሽን ምክትታልን ስለዘድልዮ ግዳይ ናብ ትካል ጥዕና ጥራይ ክኸይድ ከምዘለዎ ሓካይም ምኽሮም ይልግሱ። ብዘይካ’ዚ ዕሸል ኣብ ማህጸን ከሎ ሒቕታ ከምዝገብር ጭብጥታት ሕክምናዊ ዳህሳስ የረጋግጹ። ዘቤታዊ ፍወሳ፦ እቲ ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ሒቕታ እቲ ጠንቂ ምስተወገደ ባዕሉ ዝገድፍ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገዛ ዝግበር ፍወሳ ኣሎ። ከም ማይ ምስታይ፡ ኣብ ፌስታል ዝተቓጸለ ኣየር ኡፍ ምባልን፡ ነቲ ኡፍ ዝበልካዮ ናብ ውሽጢ ናብ ሰናቡእካ ተመሊስካ ምስሓብን፡ ሽኰር ኣብ ትሕቲ መልሓስ ምቕማጥ፡ በረድ ምብላዕን ወዘተን። ብሓፈሻ ግን ጠንቅታት ተባሂሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ምውጋድ እቲ ዝበለጸ ሜላ ንምቍጽጻር ሒቕታ እዮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x