ኣነቓቓሕቲ ጥቕስታት

 እቲ ዝበለጸ ዓይነት ዓርኪ ምሳኻ ኮፍ ኢሉ ወላ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ፡ ኣዝዩ ሕጉስ ዝኾነ ዝርርብ ከም ዘካየደ ኣሚኑ ዝኸይድ ሰብ’ዩ።

 ዘለናዮ ክሳብ ንስእኖ ኣይንርድኦን ኢና ብተመሳሳሊ ድማ ዝሰኣናዮ ክሳብ ዝመጸና ኣይንፈልጦን ኢና።

 ንሓደ ሰብ ክትፈትዎ ሰዓታት፡ ከተፍቅሮ መዓልታት፡ ክትርስዖ ግና ናይ ሂወት ዘመንካ ይሓትት።

ክትሓልሞ ትደሊ ሕለም፡ ክተበጽሖ ናብ እትደልዮ ቦታ ብጻሕ፡ ክትኮኖ እትደልዮ ኩን፡ ምኽንያቱ ዘላትካ ሂወት ሓንቲ ስለዝኾነት።

እቶም ሕጉሳት ሰባት ኩሉ ነገር ዘለዎም ኣይኮኑን፡ እንታይ ድኣ እቶም ንዘለዎም ክንዲ ኩሉ ነገር ዝርእይዎ’ዮም።

ፍቕሪ ብፍሽኽታ ይጅምር ብምስዕዓም ይዓቢ ብንብዓት ድማ ይዛዘም።

ክትውለድ ከለኻ ንስኻ ትበኪ ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ሰባት ድማ ይስሕቁ፡ ክትመውት ከለኻ ድማ ንስኻ እቲ ትስሕቕ ክትከውን ከለኻ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዝርከቡ ሰባት ድማ እቶም ዝበኽዩ ይኾኑ።

ኩሉ ግዜ ሂወት ክብርቲ’ያ፡ ከይተሕስራ።

እንተተጋጊኻ ጌጋኻ ናብ ካልእ ኣይተሳብብ፡ ካብቲ ጌጋ ተማሃር።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x