ኣብ ባንክ ንዘለኩም ሕሳብ ንጉሆ ንጉሆ 86,400…

ኣብ ባንክ ንዘለኩም ሕሳብ ንጉሆ ንጉሆ 86,400 ናቕፋ እና’ለቅሐ መዓልታዊ ንጥፈታትኩምብዝግባእከተሰላስሉ ዘበገሰኩም ባንክ ከምዘሎ ኣብ ኣእምሮኹም ቅረጹዎ። እንተኾነ ግን እዚ ባንክ ናብ’ታ ትስዕብ ሓዳስ መዓልቲ ዘሰጋግሮ ተረፍ ሕሳብ የለን። ምሸት ምሸት ነቲ ብቐትሪ ክትጥቀሙሉ ዘይከኣልኩም ተርፍ ሕሳብ ብምድምሳስ’ዩ ነታ ሓዳስ ዕለት መበገሲ ዝዀነኩም 86,400 ናቕፋ ንንጒሆኡ ዝህበኩም። ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ባንክ እንተዘጋጥመናስ እንታይ ኮን ምገበርና? ብዘይጥርጥር ነቲ ኣብ ባንክ ሕሳብና ዝተቐመጠልና ገንዘብ ሳንቲም ከየትረፍና ብምውጻእ ንዕለቱ መህለኽናዮ።

ሓቀይዶ? እምበኣር ክንፈልጥ፡ ነፍሲ-ወከፍና ከም’ዚ ዝበለ ባንክ ኣሎና። ግዜ ዝተባህለ ባንክ ንጉሆ ንጉሆ 86,400 ካልኢታት የለቅሓና። ምሸት ምሸት ከኣ ነቲ ከንቱ ዘባኸንናዮ ግዜ ከም ክሳራ ይሰንዶ’ምበር ንጽባሒቱ ኣየቐምጠልናን’ዩ። ስለዚ ንጽባሕ ዝቕመጥ ተረፍ ግዜ የለን። ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ሓድሽ ተንቀሳቓሲ ሕሳብ’ዩ ዝኽፈተልና። ንምሸቱ ድማ ንዘይተጠቐምናሉ ግዜና የሕርሮ። ስለዚ ነንዕለቱ ንዝወሃበና ናይ ግዜ ሕሳብ ብዝግባእ ምስ ዘይንጥቀመሉ እቲ ክሳራ ንዓና’ዩ ዝኸውን። ንጽባሕ ክንጥቀመሉ ኢልና ዓቂብናዮ ዝሓድር ግዜ የልቦን። ንዕለቱ ብዝወሃበካ ግዜ ክትነብር ኣለካ። ክንዲ ዝኾነ ኣብ ጥዕናኻ፡ ሓጎስካን ዓወትካን ናብ ዝበረኸ ጽፍሒ ንኽትበጽሕ፡ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ንዝወሃበካ ምጡን ግዜ ብውሕልነት ኣውፍሮ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x