ትርጉም ምስላ “ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ”

 ትርጉም ናይዚ ምስላ ብቐጻሊ ተጸባይን ጽግዕተኛን ኰይኑ ክነብር ዝመርጽ ሰብ ኣብ መወዳእታ ገለ ነገር ከየፍረየ ከም ሳእኒ ከም ዝድርበ’ዩ ዘረድኣና። ካብ ሰብ ሓገዝ ክትሓትት ግቡእ’ኳ እንተዀነ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰብ ተጸጊዕካ ነብስኻ ከይከኣልካ ክትነብር ግን ጽቡቕ ኣይኰነን። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኣብነት ኣብ መማህርትኻ ተጸጊዕካ ወይ ኩሉ ግዜ እናተሓገዝካ ክትሓልፍ ክትሓስብ የብልካን። ሰብ መንገዲ ጥራይ እዩ ከርእየካ ዝኽእል’ምበር ክመርሓካ ኣይነብርን’ዩ። ስለዚ እዚ ምስላ ርእስና ክንክእል’ዩ ዝምህረና።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x