ቋንቋ ጥቕሲ ‘’ፈጺምካ ኣይትፍራሕ በቲ ቅኑዕ እትብሎ መንገዲ ጥራይ ንበር።’’ ኔል ኤ ማክስዌል

ንህይወት ክትነብራ ኢኻ ኣብ ዓለም ሃሊኻ። ስለዚ ክሳብ ዝተፈቕደትልካ እዋን ፈጺምካ ከይፈራሕካ በቲ ቅኑዕ እትብሎ መንገዲ ክትጓዓዝ ፈትን። ልክዕ ከምታ ዝበርገገት ሰሳሕ፡ ኩሉ ነገራት ብስግኣት እትጥምቶ እንተዄንካ ግን ፈጺምካ ንሂወት ከተስተማቕራ ኣይኮንካን። ስለዚ ፍርሒ ኣወጊድካ ካብቲ ተሸጊጥካሉ ዘለኻ ጎጆ ፍርሒ ውጻእ። ንዓለም ከኣ ብዙርያኣ ብዘይስክፍታ ጠምታ። ብዙሕ ፍጡር ብዘይስክፍታ ክሕጎስ  ክትርኢ ኢኻ። ንስኻ’ውን ማዕረ እቶም ዝሕጎሱ፡ዓለም ትብጽሓካ  ምዃና ፈሊጥካ ማዕሪኦም ስራሕ ን  ኩሉ እቲ ክትገብሮ እትደሊ ቅኑዕ ነገራት ከይፈራሕካ ግበሮ። ህይወት ከኣ ናብ ዝመቀረት ክትቅየረልካ’ያ።

1
0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x