ሕጉሳት ክንከውን ዝሕጉዝና ምኽርታት

ምስጋና ኣማዕብል
ንዝግበረልካ ነገራትን ሓለፋታትን ጥራሕ ዘይኮነ ንዘለካ ነገራት ወትሩ ኣመስግን። ብዘለካ እዋናዊ ትሕዝቶ’ውን ተመስገን ብምባል ኣማዕብል።

ይቕረ ምባል ኣዘውትር
ይቕረ ምባል ናይ ድኽመት ምልክት ዘይኮን፡ ናይ መንገዲ ዓወት እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ’ዩ’ሞ ይቕረ ምባልን ይቕሬታ ምቕባልን ኣዘውትር።

ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ኣወግድ
ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እቲ ቀዳማይን ቀንዲን ዕንቅፋት ምዕባለ እዩ። ብተመሳሳሊ ስምዒታትካ ወትሩ እወታውን ካብ ኣሉታዊ ወገን ዝወጸን ምስ ዝኸውን ትፍጽሞ ንጥፈታት ምስትውዓልካ ኣይጎድልን።

ገንዘብ ሓጎስ ክገዝእ ከምዘይክእል ዘክር
ብዙሓት ሰባት ሓጎስ ብገንዘብ ዝርከብ ይመስለና። እዚ ግን ሓቅነት የብሉን፡ ልክዕ’ዩ ገንዘብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እኳ እንተኾነ ንሓጎስ ክገዝእ ግን ኣይክእልን’ዩ’ሞ ብገንዘብ ኣይትገዛእ።

ምሕዝነትን ሕዉስ ባህርያትን ኣማዕብል
ምስ ሰባት ምሕዝነት ምፍጣርን ሕውስ ምዃንን ብዙሕ ብልጫታት ኣለዎ። መኻፍልቲ ሽግርካ ዝኾነካ ዓርኪ ወይ መሓዛ ምውናንን ብሰባት ተደላዪ ምዃንን ናቱ ዝኾነ ሓጎስ ስለዘለዎ።

ግዜኻ ትርጉም ዘለዎምን ቅኑዕ መንገዲ ኣብ ዝእንፍቱን ነገራት ኣሕልፍ
ግዜ ወርቂ’ዩ፡ ግዜ ኣይጽበየካን’ዩ። እዚኦም ህይወትና ኣብ ዘለና ግዜ ብእንገብሮም ነገራት ትምራሕ ምዃና ዝሕብሩ ቃላት’ዮም። ኣብ ግዜኻ ዝዘራእካዮ ስለእትዓጽድ ንግዜኻ ኣብ ብሉጽን ጠቓሚ ኣብ ዝኾነን ንጥፈታት ኣወፍዮ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x