ለባም ክትከውን ትደሊ ዶ?

ዝኾነ ዘረባ ቃል ቅድሚ ምምላቚካ ብዛዕባ እትዛረቦ ዘለኻ ነገር ሓቅነቱን ጠቓምነቱን ኣስተውዕል።

– ቃል ኣብ እትኣትወሉ እዋን ጥንቃቐ ግበር። ንዝኣተኻዮ ቃል ድማ ብእምነት ተግብር።

– ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ሕማቕ ንምዝራብ ኣይትጓየ። ኣይትሕመ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ሕማቕ ኣይትሕሰብ።

– ምሕረት ንምግባር ተዳሎ። ሰባት ዝከኣሎም ክገብሩ ከምዝኽእሉ እመን።

– ንነዊሕ ጠምት። ንሰባት ብእዋናዊ ተግባሮም ኣይትፍረድ። ዓቕሊ ይሃልኻ።

– ብዛዕባ ሰባት ጽቡቕ ንምዝራብን ንምንኣድን ዕድል ኣብ ትረኽበሉ ኣጋጣሚ። ስቕታ ኣይትምረጽ። ናእዳኻን ኣድናቖትካን ብሓጎስ ግለጽ።

– ዝኾነ ሰብ ምስ ዝውንጅለካ። ብዛዕባ’ቲ ዝበለካ ነገር ሓቅነቱ ኣረጋግጽ። ቅኑዕ ኮይኑ እንተረኺብካዮ “ኣይትሓዘለይ” ንምባል ኣይትፍራሕ። ጌጋ እንተኾይኑ ድማ ሓሪቕካ ዘየድሊ ነገራት ንምግባር ኣይተተሃወኽ። ግደፎ ምኽንያቱ ከከም ኣመጻጽኡ ባዕሉ ክኸይድ ስለዝኾነ።

– ኣካይዳኻን ስነ ምግባርካን ንእንታይነትካ ንኽምስክር ሕደጎ። ምኽንያቱ ሰብ ብቓላቱ ስለዘይምዘን።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x