ኣገረምቲ ባህርያት እንስሳታት

• ካብ ዓሌት ኣዕዋፍ ዝዓበየት ሰገን ብኣዝዩ ልዑል ፍጥነት ክትጎዪ ትኽእል’ያ። ገዚፍ ነብሲ እትውንን ሰገን ማእከላይ ገምጋም ቅልጣፌኣ ካብ ፈረስ ዝዛየደ’ዩ። ብተወሳኺ ሰገን ካብ ኣንስተይቲ ኣንበሳ – ዋዕሮ ንላዕሊ ክትግዕር ትኽእል።

• ካንጋሮ ጭራኣ ከም መሕለውታ ሚዛን ነብሳ’ያ ትጥቀመሉ። ናይዚ ኣብነት ድማ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ጭራኣ ንላዕሊ እንተድኣ ትኽ ኢሉ ኣእጋራ ብቕልጡፍ ንላዕሊ ሓፍ ብምባል ይነጥር።

• ኣናብር ኣብ ቆርበቶም ሽራጥ ሽራጥ ምልክት ዘለዎም እዮም። ዋላ’ኳ ኩሎም ዓሌት ኣናብር ሽራጥ ሽራጥ ዘለዎ ቆርበትን ጸጉርን ዝውንኑ ይኹኑ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ነብሪ ዝርከብ ናይ ሽራጥ ምልክት ዝተፈላለየ’ዩ።

• ሓራምዝ ክሳብ 5 ኪሜ ርሕቀት ንዘሎ ማይዊ ቦታ ክሽትቱ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ሓራማዝ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ብትከተጽግያት (ጽግያት ናይ ምቑራጽ መሰርሕ) ዘዘውትሩ መጥበውቲ እንስሳታት እዮም። ወዲ ሰብን ዓሳ ነባሪን እቶም ክልተ ብትከተ ጽግያት ዝረኣየሎም እንስሳታት እዮም።

• ኣብ ምድሪ ካብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ብብዝሒ ዝርከቡ ጻጸ’ዮም። ምስ ጠቕላላ ህዝቢ ዓለም ብምውድዳር ብማእከላይ ገምጋም ንሓደ ሰብ ሚልዮን ዝኾኑ ጻጸ ይብጽሕዎ።

• ናይ ወዲ ሰብ ቀንዲ መለለዪን መፍለዪን ኣሰር ኣጻብዕቲ’ዩ። ኣኻልብ ንምፍላይ ድማ ኣሰር ናይ ኣፍንጫኦም ምምልካት የድሊ። ምኽንያቱ ናይ ዝኾነ ከልቢ ኣሰር ኣፍንጫ ፍሉይን በይናውን እዩ።

• ዝቐልጠፈ እንስሳ ቺታ ዝተባህለ ዓሌት ነብሪ ኽኸውን ከሎ፡ ዛጊት እቲ ዝዘሓለ እንስሳ ድማ ኣብ ማያዊ ባሕሪ ዝነብር ዓሳ ፈረስ ዝተባህለ ዓሳ’ዩ። ካብ ኣባጎብየ ዝዘሓለ ከምዝኾነ ዝተገልጸሉ ዓሳ ፈረስ ኣብ ሰዓት ትሕቲ 1 ሰንቲ ሜተር ጥራይ’ዩ ክጓዓዝ ዝኽእል።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x