እታ ምእዝዝቲ ሰበይቲ

ንእሽቶ ሳንዱቕ ሓጺን ኣምጺኣ ኣብ’ቲ ሳንዱቕ ሬሳ ኣቐመጠቶ። እቶም ኣዳለውቲ ሬሳ ድማ ተቐላጢፎም ሰመርዎ። ድሕሪ ሓመድ ድበ ወያ መሓዝኣ “ኣቲ ጓል ዓሻ ዲኺ? ብምሉኡ እቲ ገንዘብ ምስ ሰብኣይኪ ጥራይ ቀቢርክዮ ከይትኾኒ!?” ብምባል ሓተታ። እታ እምንቲ ሰበይቲ ብወገና፡ “ኣነ’ኮ ክንዲ ሰብ ዝኾንኩ ሰብ’የ፡ ቃል ስለዘእተወኒ ሕጂ ቃለይ ክዓጽፍ ኣይክእልን’የ” ክትብል መለሰትላ። መሓዝኣ እንደገና፡ “ብምልኡ እቲ ገንዘብ ምስኡ ቀቢረዮ ዲኺ ትብልኒ ዘለኺ!!?” በለታ ብስንባደ። እታ እምንቲ ሰበይቲ ከኣ “ብዘይጥርጥር ከምኡ’የ ገይረ። . . .ንብምልኡ እቲ ገንዘብ ኣኪበ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳበይ’የ ኣእትየዮ። ንሰብኣየይ ከኣ ቼክ ጽሒፈ ከም’ታ ሓደራ ዝበለኒ ኣብ ሳንዱቕ ምስኡ ኣቐሚጠዮ’ለኹ። ነቲ ቸክ ክጥቀመሉን ዘይክጥቀመሉን ከኣ ንዕኡ’ዩ ዝምልከት። ነቲ ቸክ ክጥቀመሉ እንተኽኢሉ፡ ነቲ ገንዘብ’ውን ከህልኾ’ዩ” ብምባል መለሰትላ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x