ሄሮግሎፊክስ

ሄሮግሎፊክስ ጥንታውያን ተቐማጦ ግብጺ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ ጽሕፈት’ዩ። ካብ ግሪኻዊ ቋንቋ ዝተወስደን ‘ንሃይማኖት ዝውክል ቅርጻዊ ስርሓት’ ዝብል ትርጉም ዘለዎን ሄሮግሎፊክስ፡ ካብ ዕንጨይቲ ብዝተቐርጹ ዝተፈላለዩ ምስልታትን ቅርጽታት ዝተዋደደ’ዩ። ጥንታዊ ኣገባብ ጽሕፈት ሄሮግሎፊክስ እቲ ዝገደመ ናይ መጀመርያ ኣገባብ ጽሕፈት ከምዝኾነ ታሪኽ ይሕብር።

ኣብ 3320 ቅ.ል.ክ ዝተኣታተወ ሄሮግሎፊክስ ንልዕሊ 3,500 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ከም ዝወዓለ ይንገር። ንዝተፈላለዩ ነገራትን ሓሳባትን ንምግላጽ ብዘኽእሉ ምስልታት ዝውከል ኣገባብ ጽሕፈት ሄሮግሎፊክስ ምስሊ እንስሳታት፣ ጀላቡን መራኽብን ዝኣመሰሉ ምስልታት የጠቓልል። ኣብ ታሪኽ ዓለም ናይ መጀመርያ ኣገባብ ጽሕፈት ከምዝኾነ ዝንገረሉ ጥንታዊ ሄሮግሎፊክስ ሽሕ’ኳ ጥንታዊ መረዳድኢ ክኸውን እንተኽኣለ ኣገባብ ኣጻሕፋኡን ኣተረጓጉሙኡን ክብድ ዝበለ ብምዃኑ ሒደት ተጠቀምቲ ከምዝነበርዎ ይዝንቶ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x