ድሕረ-ኣእምሮኣዊ ሃስያ – ሕማቕ ተመክሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ክገድፍ ከሎ

ከምዚ ዓይነት ኣእምሮኣዊ ወጥሪ ናብ ቅዛነ (depression)፡ ምምራሕ ናብ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ከም ሽጋራ፡ ሓሽሽ፡ ኣልኮላዊ መስተን ፈተነ ቅትለትን ከምርሕ ይኽእል። ስለዚ ኣእምሮኣዊ ውጥረት ድሕረ-ሃስያ ናብ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ከምርሕ ዝኽእል ሕማም’ዩ። ዝኾነ ሰብ ሓደጋ ወይ ኣፍራሒ ኣጋጣሚ ከጓንፎ ይኽእል’ዩ። ድሕሪ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ፍርሒ፡ ሕርቃን፡ ብስጭት ክወርዶ ንቡርን ትጽበዮን ነገር’ዩ። እዚ ግን መብዛሕትኡ እዋን ግዚያውን በናንን’ዩ። ናብ ስነኣእምሮኣዊ ሕማም ንኸይምዕብል ግን ምክልኻል ይከኣል’ዩ። ነብስኻ ምእላይን ርእሰ ተኣማምነት ምምዕባልን። ተስፋ ዘይሙቕራጽ። እቲ ፍጻመ ዳግማይ ንኻይጋጥም ምክልኻል። ግዳይ ነቲ ኣጋጣሚ ክዝክሮ ወይ’ውን ምስ ካልእ ሰባት ከዕልለሉ ኣይደልን ይኸውን። ኮይኑ ግን ብቐረባ ክርድእዎን ደገፍ ክገብሩ ዝኽእሉን መቕርብ የድልይዎ’ዮም። ምኽሪ ክልግሱን ግዳይ ናብ ዘይተደልየ ሓሳባትን ሕማቕ ወልፍታትን ንኸየምርሕ ዓቢ ተራ ይጻወቱ። እዚ ደገፍ ካብ ዝኽሰት ወጥሪ ከናግፍ ይኽእል። እምበኣርከስ ሃሳዪ ፍጻመ ንዘጋጠሞ ፈሊጥና ክንኣልዮን ምኽሪ ክንልግሰሉን ከነተባብዖን ጽቡቕ ተግባር’ዩ። ወይ’ውን ምልክታት ኣሰከፍቲ እናኾኑ ኣብ ዝመጹሉ፡ ምኽሪ በዓል ሞያ ስነ-ኣእምሮ ምርካብ’ውን ካብ ምምዕባል ናይዚ ሕማም ይከላኸል።

 

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x