ድሕረ-ኣእምሮኣዊ ሃስያ – ሕማቕ ተመክሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ክገድፍ ከሎ

ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ነዚ ስነኣእምሮኣዊ ሕማም ከማዕብል ይኽእል። ናብዚ ከምርሑ ዝኽእሉ ፍጻመታት ወይ ሓደጋታት ከኣ፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ወይ ምፍርራሕ (ከም ፈተነ ቅትለት ብካራ፡ ጥይት)፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኲናት፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ሓደጋ መኪና ወዘተ ዝኣመሰሉ ምጥቃስ ይከኣል። ሓደጋ ወይ ሃንደበታዊ ሞት ናይ ትፈትዎ መቕርብ ምስ ዘጓንፍ’ውን ናብዚ ስነ-ኣምሮኣዊ ወጥሪ ዘምርሑ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣቃላዕቲ፡- እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ፍጻመታት ዘጓነፎ ኩሉ ነዚ ሕማም የማዕብል ማለት ኣይኮነን። ዝበዝሑ’ኳ ድኣ ብዘይዝኾነ ጸገም ካብቲ ሓደጋ ይናገፉ። ገለ ሰባት ግን ግዳይ ናይቲ ተርእዮ ይኾኑ። ገለ ናብዚ ሕማም ዘቃልዑ ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ኣስካሕካሒ ወይ ነዊሕ ዝጸንሐ ማህስይቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ሃሳዪ ተርእዮ ምስዝነብር፡ ካልእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ምስ ዝህሉ፡ ጽቡቕ ደገፍ ናይ ስድራን መቕርብን ምስ ዘይህሉ፡ ክቱር ፍርሂ ወይ ጽልኣት ፍጻመ ናብ ስነኣምሮኣዊ ወጥሪ ድሕረ-ማህሰይቲ ከቃልዑ ዝኽእሉ እዮም። ሳዕቤናት፡- ተመላላሲ ወጥሪ ናብ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ከምርሕ ይኽእል። ሓደ ግዳይ ናይዚ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x