ድሕረ-ኣእምሮኣዊ ሃስያ – ሕማቕ ተመክሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ክገድፍ ከሎ

እዋን ክቕጽል ይኽእል። ግዳይ ድማ ኣብቲ ፍጻመ ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ። ከከም ኩነታቱ ድማ ይገልጾ። ንኣብነት ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ እንተነይሩ፡ ክሃድም ይፍትን ወይ ናይ ርድኡኒ ስምዕታ ይገብር። ተደጋጋምን ረባሽን ሕልምታት ብዛዕባ ዝሓለፈ ሓደጋ’ውን ካብ ምልክታት ናይዚ ሕማም’ዩ። ከም ግብረመልሲ ናይዚ ድማ ምውሳኽ ህርመት ልብን ረሃጽ ኣካላትን ካብ ዝርኣዩ ምልክታት’ዮም። ነቲ ፍጻመ ክዝክሮ ኣይደልን፣ ንዑ ዝዝክረሉ’ውን ኣይፈቱን። ብዝተኻእለ መጠን ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ኩሉ ነገር ከወግዶ ይደሊ። ተስፋ ምቚራጽ፡ ድንዛዘ፡ ናይ ምዝካር ጸገም፡ ምዝንጋዕ (ኣድህቦ ምጉዳል)፡ ቅድሚ ሕጂ ዝፈወትዎም ንዝበረ ንጥፈታት ዘይይምግዳስ፡ ጥቡቕ ምሕዝነት ክትፈጥር ዘይምኽኣል፡ መጠኑ ዝሓለፈ ሕፍረት፡ ናይ ድቃስ ጸገማት፡ ብቐሊሉ ምስንባድ ወይ ምርዓድ፡ ዘየለዉ ነገራት ምርኣይ ወይ ዘየለ ድምጺ ምስማዕ ገለ ካብ ምልክታት ናይዚ ሕማም እዮም። ከምዚ ዝተገልጸ ምልክታት ናይዚ ሕማም ክመጹን ክኸዱን ይኽእሉ። ነገራት ኣብ ዝሕይልሉ ምልክታት ክኸፍኡ ይኽእሉ። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ነቲ ጠንቂ ዝኾነ ፍጻመ ዘዘኻኽር ምስ ዘጓንፍ ምልክታት ክመጹ ይርኣዩ። ንኣብነት ግዳይ ብዛዕባ ባርዕ መኪና ክሰምዕ፡ ብዛዕባ ዓመጽ ጽሑፍ ክትርኢ፡ ተመሳሳሊ ሕሉፍ ተመክሮ ምስ ዝነብር ግዳይ ምልክታት ክደግሶ ይኽእል። ናብ ወጥሪ ከምርሑ ዝኽእሉ ሃሰይቲ ፍጻመታት፡-

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x