ድሕረ-ኣእምሮኣዊ ሃስያ – ሕማቕ ተመክሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ክገድፍ ከሎ

ስነ-ኣእምሮኣዊ ውጥረት (PTSD) ክበሃል ከሎ፡ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ወይ ጭንቀት ኮይኑ ናብ ዘይተደልየ ሃሳዪ ስጉምቲ ከምርሕ ዝኽእል ሓደ ካብ ስነኣምሮኣዊ ጸገማት’ዩ። ስነ ኣእምሮኣዊ ውጥረት ዝተፈላለዩ መበገሲታት ኣለዎም። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ድሕረ መጉዳእቲ ወይ ሃስያ ዝስዕብ’ዩ። እዚ ሃስያ ኣካላዊ ሃስያ (ስንክልና) ዘይኮነስ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ክገድፍ ከሎ ማለት’ዩ። እዚ ኣእምሮኣዊ ሃስያ’ዚ ድሕሪ ኣሰንባዲ ፍጻመ ዝስዕብ፡ ግዳይ ኮይኑ ነቲ ፍጻመ ልክዕ ከምዝነበሮ ኣብ ዝዝክረሉ እዋን፡ ስእልታት ናይቲ ፍጻመ ቅጅል ይብሎ። ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ሓደ ዘሰንብድ ፍጻመ፡ ነቲ ፍጻመ ዘስዓቦ ወጥሪ ክጻወሩ ንግዜኡ ክሽገሩ ይርኣዩ እዮም። ግዜ እናበልዐ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ግን ዝበዝሑ ካብዚ ወጥሪ ይናገፉ። ኮይኑ ግን ኣብ ገለ ገለ ሰባት እቲ ስነኣእምሮኣዊ ወጥሪ እናኸፍአ ይመጽእ። እዚ ዉጥረት ድሕረኣእምሮኣዊ ሃስያ ዝበሃል ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ከኣ ይስዕብ። ምልክታት፡- መብዛሕትኡ እዋን ምልክታት ናይዚ ሕማም ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ድሕሪ ፍጻመ ይኽሰቱ። ይኹን’ምበር ክሳብ ድሕሪ ሓደ ዓመት’ውን ክርኣዩ ይኽእሉ። ስእሊ ናይቲ ፍጻመ ብተደጋጋሚ ይመላለስ። እዚ ካብ ደቓይቕ ክሳብ መዓልታት ብሓደ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x