ሓይሊ ቃላት

ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ ስነ-ልቦና ምሁር ንሓይሊ ኣተሓሳስባን ቃላትን ኣመልኪቱ ኣስተምህሮ እናሃበ እንከሎ፡ ሓደ ወዲ ኢዱ ሓፍ ብምባል፡ “ንዓይ፡ ብቓላት ደጋጊመ ጽቡቕ ዕድል ወይ ሕማቕ ዕድል ብምባል ኣይኮነን ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ዝስማዓኒ። ንዓይ እዚኦም ተራ ቃላት እዮም። ቃላት ዋላ ሓንቲ ሓይሊ የብሎምን” በሎ’ሞ፡ እቲ ምሁር ትቕብል ኣቢሉ፡ “ሱቕ በል ዓሻ፡ ንስኻ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዋላ ሓንቲ ርድኢት የብልካን” ምስ በሎ፡ እቲ ወዲ ደሙ ፈልሖ። ገጹ ናብ በርበረ ተቐዪሩ ከኣ ካብ ኮፍ መበሊኡ ተንሲኡ ሕማቕ ቃላት እናውጸአ ክጻረፍ ጀመረ። እቲ ምሁር ኢዱ ሓፍ ብምባል፡ “በጃኻ ብዙሕ ይቕሬታ ግበረለይ። ከሕርቐካ ኣይሓሰብኩን ተጋግየ እየ” በሎ’ሞ፡ ወዲ ንእለት ክሃድእ ጀመረ። ኩሎም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበሩ ሰባት ድማ ጉጅምጅም ክብሉ ጀመሩ። እቲ ምሁር ጸኒሑ፡ “እዚ’ዩ እቲ መልሲ ናይቲ ርእይቶኻ። ገለ ቃላት ኣሕሪቖሙኻ፡ ገለ ከኣ ኣህዲኦሙኻ። ሕጂ’ኸ ሓይሊ ቃላት ተረዲእካዮም’ዶ?”

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x