ሰላጣ ቀይሕ ሱር ምስ እንቋቑሖ

ዓቐን።-
– 5 እንቋቑሖ ዝበሰለ
– 4 ማእከላይ ቀይሕ ሱር
– 1 ማንካ ሻሂ ጨው
– 2 ማንካ ጣውላ ኣቸቶ

ኣገባብ፦

ነቲ ቀይሕ ሱር ሓጺብና ነብስሎ፣ ኣብሲልና ኸኣ ቀሪፍና ኣርቂቕና ብኸቢብ ንመትሮ፣ ጨውን ኣቸቶን ነስኒስና ኸኣ ነቃምሞ፣ ድሕሪ’ዚ ኣብ ብያቲ በብሓደ ንሰርዖ፣ ነቲ እንቋቑሖ ኸኣ ብመቑረጺ እንቋቑሖ ብኸቢብ ቆሪጽና ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓሓንቲ ቀይሕ ሱር ኣቐሚጥና ንሰርዖ፣ ኣመልኪዕና ኸኣ ንመግቢ ንቕርቦ፣

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x