መረቕ ዓሳን ድንሽን

ዓቐን
• 1 ኺሎ ዓሳ
• 1 ኺሎ ድንሽ ተቐሪፉ ዝተመትረ
• 1 ዓቢ ሽጕርቲ ቀይሕ ብደቂቕ ዝተመትረ
• 4 ማንካ ጣውላ ማርገሪን
• 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም
• ½ ሊትሮ ጸባ ዝወዓየ
• 3 ኩባያ ማይ ውዑይ
• 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ሽጉርቲ ጻዕዳ
• 2 ማንካ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ ሰዴኖ
• ጨው ከም ኣድላይነቱ

– ነቲ ዓሳ ሓጺብና ኣጽሪና ኣድቂቕና ንመትሮ። ቀጺልና ነቲ ድንሽ ማይ ጌርና ንስኽትቶ። ኣብ ኣጋ ምብሳሉ፡ ሽጉርቲ፡ ዓሳ፡ ሽጉርቲ ጻዕዳ፡ ፐርሰሜሎ፡ ሰዴኖ፡ ማርገሪን ኣእቲና ኣጸቢቕና ነብሰሎ። ኣብ መወዳእታ፡ ጸባ፡ ማይ ውዑይ፡ ጨው፡ በርበረ ጸሊም ኣእቲና ኣወሃሂድና ሓንሳእ ኣብሲልና ነውርዶ። ብውዑዩ ኸኣ ንመግቢ ንቕርቦ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x