ዝዓበያ ወደባት ዓለም

ኣህጉር ኤስያ እታ ብዓይነትን ብዝሕን ዝበለጻ ወደባት እትውንን ክፍለ ዓለም’ያ። ብፍላይ ሃገረ ቻይና ሸውዓተ ካብተን ዝዓበየ ወደባት ዓለም ኣብ ሕቑፎኣ ሒዛ ትርከብ። ዓለማዊ ሳታስቲክስ ወደባት ብዝሃቦ ደረጃ እታ ዝዓበየ ወደብ ዝብል ክብሪ ሒዙ ዝርክብ ወደብ ሻንጋይ’ያ። ወደብ ሻንጋይ ነዚ ክብሪ’ዚ ንምብቓዕ ካብ ዘኽኣሎ ቀንዲ ረቛሒ ሓያለ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝፈጥር ትካል ብምዃኑ’ዩ። ወደብ ሻንጋይ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከቡ ዝለዓሉ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝፈጥሩ ሓሙሽተ ትካላት ሓደ’ዩ። ወደብ ሻንጋይ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ክሳብ 25 ሚልዮን መራኽብ ተቐቢሉ ኣገልግሎት ይህብ። ንሻንጋይ ተኸቲሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ወደብ ብተመሳሳሊ ኣብ ቻይና ዝርከብ ወደብ ኒግቦ ዞዎሻን’ዩ። ወደብ ዞዎሻን ብስፍሓቱ ምስ ሻንጋይ ዝወዳደር’ኳ እንተኾነ ዝህቦ ኣገልግሎት ግን ብመጠኑ ዝተሓተ’ዩ። ንብዙሕ ዓመታት ዝዓበየ ወደብ ዝብል ክብሪ ዝሓዘን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክስራዕ ዝተገደደን ወደብ ድማ ሲንጋፖር’ዩ። ኣዝዩ ልዑል ተጠላብነትን ስምን ዘለዎ ወደብ ሲንጋፖር ዝህቦ ኣግልግሎት ብዙሕ ይኹን’ምበር ንዕብየት እዘን ቻይናውያን ወደባት ክወዳደር ግን ኣይከኣለን ዘሎ። ኣብ ዝርዝር ዓሰርተ ዓበይቲ ወደባት ዓለም እቲ እንኮ ንኣህጉር ኤውሮጳ ዝወከለ ወደብ ኣብ ከተማ ሮተርዳም-ሆላንድ ዝርከብ ወደብ’ዩ። ክሳብ 2006 ዝዓበየ ወደብ ዝነበረ ወደብ ሮተርዳም ካብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ወደብ’ዩ።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ኣርባዕተ ወደባት ተኸቲሎም ኣብ ዝርዝር ቀዳሞት 10 ዝተረቑሑ ዓበይቲ ወደባት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም ።

– ሓምሻይ ደረጃ ፡ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቻይና ዝርከብ ወደብ ትያንጅን ።

– ሻድሻይ፡ ወደብ ጎንዙዋ እዚ ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ቻይና ይርከብ።

– ኣብ ቻይና ዝርከቡ ወደባት ኪንጋንዶ ፡ ኪንሁዋንግን ሆንግኮንግ ክሳብ ታሽዓይ ደረጃታት ዝሓዙ ክኾኑ ከለዉ ኣብ ከተማ ቡሳን ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ወደብ ቡሳን ድማ ዓስራይ ደረጃ ይሕዝ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x