ሂልተን ቦራ-ቦራ

እዚ ኣብ ትሕቲ ደቡባዊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከብ መዘናግዒ ቦታ’ዚ ብሓፈሻ 86 ኣብ ልዕሊ ማይ ዝተሰርሑ ቪላታት፡ 16 ካብ ባሕሪ ዝተፈልዩ ጨዋም መሐንበሲ ቀላያት፡ 20 ብዕምባባ ዘጌጹ ኣብ ሕቑፊ ጎቦ ዝተሃንጹ ቪላታት፡ 2 ኣብያተ መግብን ዘጠቓለለ ሰፊሕ መዘናግዒ’ዩ። ሂልተን ቦራቦራ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ኣቀማምጣ’ዩ ዘለዎ። ብድሕሪ’ቲ ሞቱ ቱፑዋ ዝተባህለ እሳተጎመራዊ ጎቦታት ስለዝርከብ እቲ ኣብ ወሰናስኑ ዝርከብ ጻዕዳ ሑጻ ብጸለምቲ ኣእማን ሩባን ልሙዕ ትሮፒካዊ ኣግራብን ተኸቢቡ ዘሎ ሂልተን ቦራቦራ ሹግሹግ መሳጢ ትርኢት’ዩ ዝፈጥር። እቲ ቀንዲ ህንጻታት ሂልተን ቦራቦራ ብልዕሊ’ቲ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎ መሐንበሲ ናብቲ ሰፊሕ ውቅያኖስ ከም ዝጥምት ኮይኑ’ዩ ተሃኒጹ። እቶም ኣብ ልዕሊ ማይ ዝተሃንጹ ብዓል ሓደ ደርቢ ህንጻታቱ ድማ ብኽቡር ሉሕን ናይ ጠርሙስ ምድሪ ቤትን ዘጌጹ እዮም። እቲ ብዓል ክልተ ደርቢ ህንጻ ናይ መዘናግዒ ቦታ፡ ናብቲ ገማግም ባሕርን ቀንዲ ቤት መግብን ዝቐረበ’ዩ። ብሓፈሻ እቲ ኣብ ልዕሊ ማይ ዝተደኮነ ቪላታት ኣብ ልዕሊ ፍዮሪ ባሕሪ ዝተነጽፈ’ዩ ዝመስል። 

ሂልተን ቦራ-ቦራ ቪድዮ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x