ኣቤልን ቶማስን

ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ ክልቲኦም ተነሃሂሮም ነታ ገመድ ክጎቱ ከለዉ ኣብ ሞንጎ እታ ገመድ ተበትከት’ሞ ሓዲኦም ናብ’ቲ ዓበይቲ ኣእማን ዝነበሮ ቦታ እቲ ሓደ ከኣ ናብ’ቲ ገልዒ ናይ በለስ ዝነበሮ ቦታ ወደቑ!! ምኽሪ፦ ፍቱዋት ቆልዑ ኣቤልን ቶማስን ክልተ ዓበይቲ ጌጋታት ፈጺሞም። እቲ ቀዳማይ እታ ገመድ ብዓቢኡ ናይ ክልቲኦም ኣይኮነትን፣ ዋና ክህልዋ ግድን’ዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ንዝነበሮም ፍቕሪን ዕርክነትን ኣፍሪሶም ኣብ ምትህልላኽ ስለ ዝኣተዉ ኣብ ዘይሓሰቡዎ ጸገም ወዲቖም። ስለ’ዚ ካብ’ዛ ፍጻሜ ዘይጸዓርካሉ ናተይ ምባል ነውሪ ምዃኑ፣ ምትህልላኽ ከኣ ሳዕቤን ከምዘለዎ’ዩ’ሞ ኣብ ክንድኡ ነሓድሕድኩም ክትፋቐሩን ክትከባበሩን ድኣ’ምበር ንዓይ ይጥዓመኒ ኣይትበሉ!!

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x