ኣቤልን ቶማስን

“እውይ እዝስ ዘይሓፍር ኣነ ስለ ዘልዓልኩዋ ናተይ’ያ ንስኻ እንተተልዕላ ናትካ ምኾነት ነይራ” በሎ። ክልቲኦም በታ ገመድ ክከራኸሩ ዝረኣይዎም ሓደ ኣቦ ብዛዕባ’ቲ ንኽልቲኦም ዘከራኽሮም ዝነበረ ጉዳይ ምስ ሓተትዎም ክልቲኦም ሓደ ብሓደ ነገሩዎም። እቶም ኣቦ ንክልቲኦም ከህድእዎም ፈተኑ’ሞ ኣስዒቦም፣ እታ እተከራኽሮም ዘላ ገመድ ዋና ክህልዋ ከተድልዮ’ውን ስለ ትኽእል ናብ ዋንኣ ከምእትምለስ ክገብሩ መኺሮም መገዶም ቀጸሉ። ኣቤልን ቶማስን ግን ንምኽሪ ናይ’ቶም ኣቦ ከይሰምዑ “ንዓይ’ያ ትግብኣኒ ኣነ’የ ቅድም ርእየያ” “ንዓይባ ትግብኣኒ ኣነ እንድየ ኣልዒለያ” ምብህሃል ቀጸሉ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x