ኣቤልን ቶማስን

ኣቤልን ቶማስን ኣዕሩኽ’ዮም። ሓደ መዓልቲ ኣብ መገዲ እናኸዱ እንከለዉ፣ ኣቤል ሓንቲ ገመድ ርኣየ’ሞ “እውይ ገመድ” በለ። ቶማስ ከኣ ተቐላጢፉ ቀዲሙዎ ኣልዓላ። ኣቤል “ሃባ’ታ ኣነ እንድየ ግዲ ቅድም ርእየያ!” በሎ፣ ነታ ገመድ ከሕድጎ እናፈተነ። ቶማስ “ኣነ እንድየ’ሞ ኣልዒለያ” በለ ነታ ገመድ ንድሕሪት እናሓብአ። “ሃባ ኣነ ቅድም ስለዝረኣኹዋ ንዓይ’ያ ትግብኣኒ” በሎ ትርር ኢሉ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x