ስለምንታይ ኵለን ሰዓት ናብ ሓደ ሸነኽ ይዞራ?

ኣብ ዘዝኣተኹዎ ገዛ ዝተሰቕላ ናይ መንደቕ ሰዓት ኵለን ናብ ሓደ ሸነኽ ክዞራ ምስ ረኣኹወን። “እውይ እዚኣ ከምታ ናትና። ናብዚ ትዘዉር።” እብል ነበርኩ፣ ሓደ ዓይነት ምዃነን እግረም ነይረ፣ ዓብየ ከመዛዝን ምስ ከኣልኩ። ኵልና ንሰማማዓሉ ሓደ ዓይነት ኣቈጻጽራ ክህልወና ስለ ዘለዎ’ዩ ዝኸዉን ዝብል ግምት ነበረኒ፣ ኣብ ኢንተርነት ክፍትሽ ካብ ዝጅምር ግን ብዘይካ’ዚ ካልእ ብዙሕ ሕቶታት ተመሊሱለይ እዩ፣ እዘን ኣብ መንደቕ ወይ ኣብ ኢድና ተሰቒለንን ተኣሲረንን ብሰለስተ ሓበርቲ ኣብ ክቢ እናዞራ ግዜ ዝሕብራና ሰዓት። ንምንታይ ካብ ጸጋም ናብ የማን ይዞራ ዝብል ሕቶ ከማይ ዝህልወኩም ኣይትሰኣኑን ኢኹም፣

 

ኣብ www.coolquiz.com ዝረኽብኩዎ መልሲ እንሀልኩም፣ እዛ “ኣናሎግ” ሰዓት ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ’ያ ተሰሪሓ፣ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ኰይኖም ንምንቅስቓስ ጸሓይ ሞዴል ከውጽኡ ኣብ ዝመራመርሉ ዝነበሩ እዋን ክትመሃዝ ክኢላ፣ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ኴንካ ንጸሓይ ክትርእያ እንተ ዄንካ። ንደቡብ ገጽካ ክትጥምት ኣለካ፣ ጸሓይ ብጸጋምካ ክትበርቕ እንከላ። ብርእስኻ ኣቢላ ናብ የማንካ’ያ እትኸይድ፣ እታ ንሰዓት እትሕብር ሕጽር ዝበለት ለዓት። ንምቅስቓስ ጸሓይ ኣብ ሰማይ ብምዕዛብ እተሰርሐት ኰይና። ካብ ጸጋም ናብ የማን ብርእሲ – 12 – ኣቢላ ትሓልፍ፣ ተማ. ሜሮን በርሀ – መንደፈራ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x