እታ ጐራሕ ወኻርያ

ብዓውታ ሰሓቑ። በቲ ዘይጥዑይ ሓሳባ ድማ ተገረሙ። “ቀደም ጭራ ጽቡቕ’ዩ እናበልኪ ትዛረቢ ከምዘይነበርኪ ከመይ ጌርኪ ሕጂ ጭራኺ ምስ ተቖርጸ ጭራና ንኹንቈርጾ ትንግርና!? ብምባል ከኣ ንእከይ ተግባራ ከምዝፈለጥዎ ሓበሩዋ። እታ ወኻርያ ብተግባራ ሓነኸት። ርእሳ ኣድኒና ከኣ ካብኦም ተኸወለት። ፍቱዋት ቈልዑ ካብዛ ዛንታ እንታይ ንመሃር? ንፉዓት ፈሊጥኩማ ኣለኹም። ብዝዀነ ኣጋጣሚ ጸገማት ከጋጥመና ይኽእል’ዩ። ነቲ ጸገም ምስ ፈተውትናን ቀረብትናን ኴንና ደኣ ክንፈትሖ ኣለና’ምበር ኩሉ ሰብ ክጻገም ኣለዎ ክንብል ኣይግባእን። ኣነ ሕማቕ ስለዘጋጠመኒ ካልኦት ከኣ ማዕረይ ሕማቕ ከጋጥሞም ኣለዎ ዝብል ስምዒት ክህልወና የብሉን። ካብቲ ዘጋጠመካ ጸገም ወይ ሕማቕ እንታይ ትመሃርን ብኸመይ ትሓልፎን ደኣ ክትሓስብ ኣለካ’ምበር፡ ንኻልኦት ከማኻ ንምግባሮም ክትሓስብ የብልካን።

1
0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x