እታ ጐራሕ ወኻርያ

ንኹሎም ወኻሩ ከኣ ንኣኼባ ጸውዓቶም። ኩሎም ወኻሩ ኣብ ጽላል ገረብ ተኣከቡ። እታ ጭራኣ ዝተቖርጸት ወኻርያ ነቲ ኣኼባ ባዕላ ከተካይዶ ምዃና ዝፈለጡ ወኻሩ፡ “እንታይ ሓድሽ ነገር ደኣ ተፈጢሩ ኰይኑ?” እናበሉ ይሓስቡ ነበሩ። ነቲ ዝበሃል ክሰምዑ ከኣ ብጽሞና ይጽበዩ ነበሩ። ወኻርያ፡ “ክቡራት ወኻሩ ኣሕዋተይ” ብምባል ዘረባኣ ፈለመት። ብምቕጻል፡ ናብቶም ተኣኪቦም ጸጥ ኢሎም ዝነበሩ ወኻሩ እናጠመተት፡ “ናይ ሎሚ ኣኼባና ብዛዕባ ኣገዳስነት ጭራና’ዩ።” በለቶም። እሕሕ… ኢላ ጎሮሮኣ ብምጽራይ ከኣ፡ “ስለምንታይ ነዊሕ ጭራ ይህልወና ኢልኩም ሓሲብኩም ትፈልጡዶ? ክትብል ሓተተት። ንሳቶም ኣይመለሱላን። ነቲ መልሲ ካብኣ ንኽረኽቡዎ ብጽሞና ተጸበዩ። ንሳ’ውን ብዙሕ ኣይተጸበየትን። “እዚ ጭራና ኣዝዩ ነዊሑ ስለ ዘሎ ብዙሕ የሸግረና ኣሎ። ስለዚ ኩልና ክንቆርጾ ኣለና” በለት። ምእንቲ ነታ ዝተቖርጸት ጭራኣ ከይርእይዋ ድማ ሓቢኣታ ነበረት። እንተዀነ ምሉእ ብምሉእ ኣይሓብኣታን። መብዛሕትኦም እቶም ወኻሩ ከምዝተቖርጸት ኣስተውዒሎምላ ነበሩ። እታ ጐራሕ ወኻርያ ተዛሪባ ምስ ወድአት፡ እቶም ወኻሩ

1
0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x