እታ ለባም ማንቲለ

ናብ’ቲ ማይ ገጹ ጠመተ። ኣብኡ ኸኣ ምስሊ ኣንበሳ ረኣየ። ስለ’ዚ ኸኣ ተጸዊጉ ጠመቶ። እቲ ኣብ ማይ ዝነበረ እውን ክጽወግ ጀሚሩ። “እዝስ ንዓይ ክጽወገለይ” ብምባል ስለ ዝሓሰበ ኣዝዩ ተቘጥዐ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ኣንበሳ እውን ልክዕ ከምኡ ክገብር ርእይዎ። ናቱ ምስሊ ምዃኑ ስለዘይፈለጠ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዒላ ዝነበረ ኣንበሳ ሓኒቑ ንክቐትሎ ዘሊሉ ናብ ዒላ ኣተወ። ኣብኡ ጥሒሉ ኸኣ ሞተ። እታ ጎራሕ ማንቲለ ናብቶም እንስሳታት ብምኻድ ኩሉ እቲ ዝገበረቶ ነገረቶም። ኩሎም ከኣ ብጥበብ ማንቲለን ብሞት ኣንበሳን ተሓጒሶም። ንማንቲለ ድማ ስለ እቲ ዝገበረትሎም ጽቡቕ ተግባር ኣመስጊኖማ “ካብ ሓይልስ ጥበብ እባ ይበልጽ፡” እናበሉ ኸኣ እታ ጥበበኛ ማንቲለ ነቲ ሓያል ኣንበሳ ምስዓራ ተገረሙ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x