እታ ለባም ማንቲለ

ኣብታ መዓልቲ ኣያ ኣንበሳ ዝኾነ ዝብላዕ እንስሳ ብዘይ ምርካቡ ኣዝዩ ተቖጢዑ፡ ከንጸርጽር ተራእየ። ብሕርቃን እናገዓረ ከሎ ንማንቲለ ምስ ረኣየ መሊሱ ሓረቐ። እዛ ደቃቕ ማንቲለ ጥራይ ተመሲሑ ክውዕል ኣይደልን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ንኹሎም እንስሳታት ክቐትሎም ወሲኑ። እታ ማንቲለ ርእሳ ኣድንን ኣቢላ ናብ ኣንበሳ ብምቕራብ “ጎይታይ ኣንበሳ ፈለማ ሽዱሽተ ማናቲለ ኢና ምሳሕካ ክንከውን ተላኢኽና ነይርና። እንተኾነ እናመጻእና ከለና ሓደ ካልእ ኣንበሳ ኣብ መንገዲ ጸኒሑ ነተን ሓሙሽተ በሊዕወን። ኣነ ግን ብዘለኒ ሓይሊ እናጎየኹን እናተሓባእኩን ናባኻ መጺአ” ብምባል ምኽንያት መደንጐይኣ ነገረቶ። ኣንበሳ በቲ ዝሰምዖ ክኣምን ኣይከኣለን። መሬት ክሳብ ዝን ቕነቕ ድማ ግዒሩ። “እንታይ ኢኺ ትብሊ ዘለኺ? ብዘይካይ ካልእ ኣንበሳ ንጉስ ናይ’ዚ ጫካ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኣበይ ኣሎ? ንዕናይ ኣርእይኒ!” እናበለ ሕቶ ድሕሪ ሕቶ ኣዝነበ። እታ ማንቲለ ድማ “ሕራይ” ብምባል ናብ ሓደ ማይ ዝመልአ ኣዝዩ ዓሚቚ ሩባ ወሰደቶ። ኣብ ጥቓ እቲ ሩባ ምስ በጽሑ “ኣብ’ዚ’ዩ ቦትኡ። ሕጂ ኣብ ውሽጢ’ዩ ተሓቢኡ ዝህሉ” በለቶ። ኣያ ኣንበሳ ዘረባ ማንቲለ ብምስማዕ፡ ናብ’ቲ ማይ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x