እቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ

እቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ ግን ብተንኰል ንጉስ ኣይተደናገረን። ንንግስቲ ዝርኣዮን ዝሰምዖን’ዩ ነጊርዋ። “ንጉስ ከምዝሓበሩኒ፡ ንጽባሕ ፋዱስ ዝኸውን መግቢ ከተዳልዊ ትኽእሊ ኢኺ፡ ከይተዳልዊ’ውን ትኽእሊ። ምናልባት ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ንጉስ ይመጽእ ይኸውን፡ ከይመጽእ’ውን ይኽእል’ዩ።” ክብል ነገራ። እታ ንግስቲ መልእኽቲ ናይቲ ሰብኣይ ስለ ዘይተረድኣ “ንጉስ ሎሚ ክመጽእ ድዩ ኣይመጽእን ንገረኒ።” በለቶ። “ኣይፈለጥኩን። ንዓይ ምስ ኣፋነወኒ የማነይቲ እግሩ ናብቲ ርካብ ሰቒልዋ ክኸውን ይኽእል፡ ወይ ድማ ጸጋመይቲ እግሩ ኣውሪድዋ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ ናብ ሃድን ከይዱ ድዩ ኣይከደን ርግጸኛ ኮይነ ክነግረኪ ኣይክእልን’የ።” ንጉስ ነቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ ከምዘታለሎ ርግጽኛ ነበረ። ናብ በዓልቲቤቱ(ንግስቲ) ብምኻድ ድማ እቲ ሰብኣይ እንታይ ኢሉ ከምዝነገራ ሓተታ። “እቲ ዘይሕሱ ዝበሃል ሰብኣይ ትማሊ ሓስዩ ነጊሩኪ ሓቀይ!” ድማ በላ። ንግስቲ ግን ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይመለሰትሉን። እቲ ሰብኣይ ዝበላ ቃላት ሓንቲ ከየጉደለት ንንጉስ ነገረቶ። ንጉስ ብቕንዕና ናይቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ተገረመ። ብዛዕባ’ቲ ሰብኣይ ዝበሃል ዝነበረ ዘረባ ሓቂ ምዃኑ ድማ ኣመነ። ንህዝብን ወተሃደራትን ናይታ ዓዲ ኣኪቡ ብዛዕባ’ቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ ነገሮም። እሙን ኣገልጋሊኡ ከምዝገበሮ’ውን ብወግዒ ሓበሮም። ፍቱዋት ቈልዑ ካብዛ ዛንታ እንታይ ንመሃር? ጽቡቕ! ኩሉ ግዜ ሓቂ ክንዛረብ ከም ዘለና ኢና ንመሃር። ሓሶት ጥቕሚ የብሉን። “ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መንገዲ ባቡር ደቅስ!” ዝብል ምስላና ነዚ’ዩ ዘዘኻኽረና።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x