እቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ

መዓልታት ሓሊፉ ኣዋርሕ ተቖጽረ። ንጉስ ነቲ ለባምን ዘይሕሱን ሰብኣይ ኣይረስዖን። ሓደ መዓልቲ ንጉስ ልኡኻቱ ሰዲዱ ነቲ ሰብኣይ ጸውዖ። እቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ ናብቲ ዝተጸውዓሉ ቦታ በጽሐ። ኣብኡ ብዙሓት ወታሃደራት ተኣኪቦም ጸንሕዎ። እቲ ንጉስ’ውን ናብ ሃድን ንክኸይድ ተበጊሱ ነበረ። ፈረሱ ኣዳልዩ ጸጋመይቲ እግሩ ናብቲ ፈረስ ንምድያብ፡ ኣብ ርካብ (ኣብ ፈረስ መስቀሊ ሓጺን) ኣቐሚጥዋ ነበረ። የማነይቲ እግሩ ግን ኣብ መሬት ረጊጻ ነበረት። ንሃድን ንምኻድ ዝተበገሰ ይመስል ነበረ። ንጉስ ነቲ ሰብኣይ ናብኡ ንኽቐርብ ኣዘዞ። “ናብ ንግስቲ ኬድካ ሎሚ መዓልቲ ናይ ምሳሕ ግብጃ (ድግስ) ስለዘለና መግቢ ከምዝዳሎ ግበሪ ኢሉኪ በላ።” ድማ በሎ። ነቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ’ውን ኣብቲ ናይ ምሳሕ መደብ ንኽሳተፍ ዓደሞ። እቲ ሰብኣይ መልእኽቲ ንኸብጽሕ ናብ እንዳ ንጉስ ጐየየ። እቲ ሰብኣይ ምስ ከደ ንጉስ ስሓቐ። ናብቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ወተሃደራት እናጠመተ ድማ ከምዚ በሎም። “ሕጂ ናብ ሃድን ኣይንኸይድን ኢና። ነዚ ዘይሕሱ ሰብኣይ ንምድንጋር’የ ከምኡ ገይረ። ዝኸድና ክመስሎ ስለዝኾነ ንንግስቲ ብሓሶት ክነግራ’ዩ። ክሳብ ክንደይ ሓቀኛ ሰብኣይ ምዃኑ ድማ ክፍተን’ዩ።”

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x