እቲ ሓሻሺ ቈልዓ

ተገደደ። ሰሪሑ ቁሩብ ገንዘብ ምስ ረኸበ ኣቦኡ ጸውዖ። ነተን ወዱ ሰሪሑ ዝረኸበን ገንዘብ ሒዞም ከኣ ናብቲ ሩባ ከዱ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ሕጂ’ውን ንወዱ ነተን ገንዘብ ናብቲ ሩባ ክድርብየን ሓበሮ። ወዱ ግን ነግ ፈረግ በለ። ክድርብየን’ውን ኣይደለየን። ኣቦኡ ክድርብዮ ከምዘለዎ ደጋጊሙ’ኳ እንተነገሮ ክቐብጸን ኣይከኣለን። ንኣቦኡ ድማ “እዚ ገንዘብ ብዙሕ ዝጸዓርኩሉ ስለዝዀነ ኣይድርብዮን’የ።” በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ንወዱ ኮፍ ኣቢሉ መዓዶ። “ስማዕ ወደይ፡ እቲ ዝደርበኻዮ ገንዘብ’ውን ጽዒረ ዘምጻእክዎ’ዩ ነይሩ። ንዕኡ ብዙሕ ክነሱ ስለዘይጸዓርካሉ ደርቢኻዮ። ነዘን ናትካ ግን ውሑዳት ክንሰን ስለዝጸዓርካለን ክትድርብየን ኣይደለኻን።” ድማ በሎ። እቲ ሓሻሺ ቈልዓ ዘረባ ኣቦኡ ተረድኦ። ኩሉ ዝሓለፈ ናይ ምሕሻሽ ግዜ ድማ ኣጠዓሶ። ካብታ ዕለት ንደሓር ገንዘብ ጽዒርካ ከም ዝመጽእን ኣብ ዘይጠቕሙ ነገራት ክጠፍእ ከምዘይብሉን ፈሊጡ ክሰርሕን ክጽዕርን ጀመረ። ንፉዕ ሰራሕተኛ ኰይኑ ድማ ሃብታም ከም ኣቦኡ ኰነ።

Credit: ሳሌም በየነ(FFN)

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x