እቲ ሓሻሺ ቈልዓ

ኩሉ’ዩ ሕማቕ ብዘይካ ኣብ ምሕሻሽ። ብምሕሻሽ ውሩይ’ዩ ዝነበረ። ኣቦኡ ዝጸዓረሉ ገንዘብ ኣበይ የጥፍኦ ከም ዘሎ’ውን ኣይርድኦን’ዩ። ኣቦኡ ገንዘብ እንተኸልኦ ካብ ኣደኡ ኣታሊሉ ይወስድ። ሕሉፍ ሓሊፉ ካብ ዝተቐመጠ ናይ ኣቦኡ ገንዘብ ብኢደ ዋኒኑ ኣልዒሉ ክሕሽሽ ጀመረ። ስድራኡ ብልምዲ ወዶም ኣዝዮም ተሸገሩ። እንታይ ከምዝገብሩዎ ከኣ ጠፍኦም። ቀጺዖም ምዒዶም ረብሪቦም’ዮም። ክልተኦም ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ምሸት ብዛዕባ ወዶም ድሕሪ ምዝርራብ ሓደ ሓሳብ ሓሰቡ። ንጽባሒቱ እቲ ሰብኣይ ንወዱ ጸውዖ። ኣብ ሳንጣ ዝተጠቕለለ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ድማ ንወዱ ሃቦ። ኣቦን ወድን ተተሓሒዞም ናብ ሓደ ሩባ ከዱ። ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ እቲ ሰብኣይ ንወዱ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ገንዘብ ናብቲ ሩባ ንኽድርብዮ ሓበሮ። እቲ ሓሻሺ ወዱ ኣይተጠራጠረን። ነቲ ገንዘብ ከይተገደሰ ናብቲ ሩባ ኣእተዎ። ነዚ ዝተዓዘበ ሰብኣይ ንወዱ ፍጹም ቀበጾ። እቲ ጽዒሩ ዘምጽኦ ዝነበረ ገንዘብ ንወዱ ከምዘይርድኦን ዋላ ኣብ ቀላይ ክድርብዮ ከምዘይሕምሞን ድማ ተረደአ። ንምሸቱ ሰብኣይን ሰበይትን ተመያየጡ። ንወዶም ሳንቲም’ውን ትኹን ከይህቡዎ ከኣ ተሰማምዑ። ከምኡ ድማ ገበሩ። እቲ ሓሻሺ ወዶም ገንዘብ ስኢኑ ዓቕሉ ጸበቦ። ብዘይገንዘብ ዋላሓንቲ ክገብር ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ስድራኡ ገንዘብ ክረክብ ከምዘይኰነ ምስ ፈለጠ ክሰርሕ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x