ንመለበሚ

ፍቱዋት ቆልዑ ከመይ ቀኒኹም? እምበኣርከስ ሎሚ ናይ ያፌት ጊጋ ነንብባ እሞ ካብኣ ንመሃር !

ኣቦ ያፌት ኣቶ ዮሴፍ ነታ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከም ዝኾነት ዝተነግረቶ ረሲቨር ንወዱ ንመጻወቲ ክኾኖ ኢሉ ሂቡዎ። ያፌት ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኮይኑ ቀዳማይ ክፍሊ’ዩ ዝመሃር። ዝኾነ ነገር ምምርማርን ምፍታሽን ዝፈቱ ያፌት ሎሚ ቅነ ንስክላ እዩ ድሒኑ። ያፌት ነታ ኣቦኡ ክጻወተላ ኢሉ ዝሃቦ ረሲቨር ውሽጣን ውሻጠኣን ክርኢን ክድህስስን ምእንቲ ብካቻ ቪተ ከፊቱዋ። በብሓደ ድማ ይ ተ ና ኽ ፎ ን ይጠዋውቖን። እዚ ቀቐሊሉ እዩ። ጸገም ዘ ለ ዎ ኣ ይ ኮ ነ ን ። እቲ ሓደገኛ ኩነታት ስዒቡ ዝመጽእ እዩ። ያፌት ነታ ኣብታ ረሲቨር ለጊባ ዝነበረት ኣብ ሶኬት እትገጥም ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ኣብ ሶኬት ኣእትዩ ክፍትን ኢሉ ወለዱ ኣብ ዘየለዉሉ ተጸናጺኑ ኣብ ሶኬት ክሰኹዖን እቲ ኣብ ኢዱ ሒዙዎ ዝነበረ ረሲቨር ተዘዝ ከብሎን ሓደ ኮነ። ያፌት ብዘጋጠሞ ሓደገኛ ኩነታት ተሰናቢዱ ነታ ኣብ ኢዱ ሒዙዋ ዝነበረ ረሲቨር ደርብዩ ንደገ ተዓዝረ። ልቡ ዲግ ዱግ እናበለት ከም ኩዕሶ ካብ ኣፍልቡ ፈንጢሳ ክትወጽእ ደለየት። ያፌት እንቅዓ እናተንፈሰ ብየማናይ ኢዱ ንልቡ እናሓዘን ብዝገበሮ ሰኪሑ ተጣዕሰ። ፍቱዋት ቆልዑ፣ ያፌት ዘጋጠሞ ኣንቢብኩም ኣለኹም። ሓንጎልና ክሕደስን ክምዕብልን ጸወታ ኣገዳሲ’ዩ። ግን ብምንታይ ንጻወት ከኣ ክንፈልጥ ኣለና። ንመጻወቲ ኢሎም ዘይሓሰቡዎ ጉድኣት ዘስዕበሎም ቆልዑ ብዙሓት’ዮም። ካብ ኩሉ ብኤለክትሪክ ጸወታ የለን። ብዙሓት ቆልዑ ሶኬት ኤሌክትሪክ ኣብ ቀረባ ወይ ብቐሊሉ ክረኽብዎ ስለዝኽእሉ ከም መስማር ሓጺን ስልኪ ዝኣመሰሉ ነገራት ከእትዉ ይረኣዩ። እዚ ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ወለዲ’ውን ንደቅኹም እትህብዎም መጻወቲ ከም’ቲ ንያፌት ዝተዋህቦ ከም ረሲቨር ዝኣመሰለ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ዝኾነ መሳርሒታት ዘይኮነ፣ ንመጻወቲ ተባሂሉ ዝተዳለወ እንተኾነ ይምረጽ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x