ኩለን ክትምልሰን ፈትን – ክልተ ትርጉም ዘለዎ ቃላት ርኸብ

ሃዲሞም

ብጉያ ካብ ሓደ ቦታ ምስዋር

እቲ ካልእ ትርጉሙ ከኣ ንህድሞ ብላዕሊ ሓመድ ምግባር ምህዳም።

—————————————————————

ወጠጦ

እቲ ቀዳማይ ትርጉሙ ተባዕታይ ጤል ማለት ክኸውን
እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ትርጉሙ ከኣ ምውጣጥ። ንኣብነት ሙሴ ነቲ በጊዕ ብኢዱ ወጠጦ

—————————————————————

ሃቦ

ኣፍኩስካ ክድመጽ እንከሎ ምሃብ የመልክት ንኣብነት “ኣቤል ንሙሳ ርሳስ ሃቦ” ።

እቲ ካልኣይ ትርጉም ከኣ ኣጥቢቕካ ክድመጽ እንከሎ ሓደ ነገር ንክትህብ ምልባው’ዩ። ንኣብነት “እዛ ሞባይል ንኣሮን ሃቦ”።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x