ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝተባህለት ናይ ኣውስትራልያ ዞባ ካብ እትርከብ ከተማ ፎርብስ ዝተበገሰት ንእሽቶ ናይ ሕርሻ ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ኣብራሪ ድሕሪ 10 ደቓይቕ ብሰንኪ ሕማም ቀልቡ ብምጥፋኡ፡ ወዲ 19 ዓመት ተሳፋሪ ነቲ መቈጻጸሪ ብምሓዝ ን45 ደቓይቕ ከም ዘብረራ ተፈሊጡ። ሓንሳእ ጥራይ ናይ ምብራር ዕድል ረኺቡ ዝነበረ መንእሰይ ትሮይ ጀንኪንስ ነታ ነፋሪት ከዕልብ ክብል ሓደጋ ከይፈጥር ስለ ዝፈረሐ ኣብ ጥቓ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ እናዘንበየ እንከሎ እቲ ቀልቡ ዘጥፈአ ኣብራሪ ከም እተባራበረን ነቲ መቈጻጸሪ ከም ዝተረከቦን ምንጭታት እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x