“ጻዕዳ ሻርክ ልዕሊ 70 ዓመት ክነብር ይኽእል” ተመራመርቲ

ልዑል ግዝፊ ዝውንኑ ጸዓዱ ሻርክ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክንገረሎም ዝጸንሐ ንላዕሊ ናይ ምንባር ዕድመ ከምዘለዎም ተመራመርቲ ገሊጾም። እቶም ተመራመርቲ  ጽናዕቶም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዘካየድዎ ኰይኖም፡ ዕምሪ ናይ ሻርክ ንምርግጋጽ ዕድመ ዘፍልጥ ራድዮ ካርቦን ደይቲንግ ዝተባህለ ቴክኒክ’ዮም
ተጠቒሞም። በዚ ከኣ፡ ጸዓዱ ሻርክ ዘይከምቲ ክንገረሎም ዝጸንሐ ካብ ሰብዓ ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ክነብሩ ከምዝኽእሉ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ኣነጺሩ። ብሰመረት እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ እታ ዝዓበየት ኣንስተይቲ ሻርክ ዕድመኣ 40 ኰይኑ ክርከብ ከሎ፡ እቲ ዝዓበየ ተባዕታይ ሻርክ ድማ 73 ዕድመ ዘለዉ ኰይኑ ከምዝጸንሐ ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐት ክኢላ ስነ-ሂወት ዶ/ር ሊሳ ናታንሶን ሓቢራ። በቲ ኣቐዲሙ ጽምዲ ዓንኬላት ኣዕጽምቲ ብምቑጻር ዝግበር ዝነበረ ልምዳዊ መስርሕ ምፍላጥ ዕድመ ግን ልዕሊ 23 ዓመት ዝዕድመኡ ሻርክ ከምዘየለ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ንሳ ኣስዒባ፡ ቅድሚ ሕጂ ዕድመ ሻርክ ንምጽናዕ ልምዳዊ ኣገባብ ማለት ኣብ ኣዕጽምቲ ዓመታዊ ብዝእከብ ጽምዲ ዓንኬላት ብምቑጻር ይጥቀሙ ምንባሮም ብምግላጽ፡ እዚ ግን ትኽክል ስለዘይኰነ ብዛዕባ ዕድመ ሻርክ ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታ ግምታዊ መረዳእታ ምንባሩ ኣረዲኣ። እቲ ልምዳዊ ኣገባብ ግን ኣብ ዝበዝሑ ካልኦት እንስሳታት ትኽክል ምዃኑ ሓቢራ። ዓበይቲ ጸዓዱ ሻርክ ተኣፈፍቲ ዓሌት ብምዃኖም ብፍሉይ ሓለዋን ክንክንን ክግበረሎም ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ምዕቃብ ተፈጥሮ ሓበሬታ ሰፊሩ ይርከብ። ርኽበት ናይዚ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ምዕቃብ እዞም ዓሳ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x