ድምጺ ነጐዳ ብኸመይ ይፍጠር ?

ነጐዳ ኩሉ ግዜ ንበርቂ ተኸቲሉ’ዩ ዝስዕብ። እዚ ድማ ብርሃን ካብ ድምጺ ስለዝቕልጥፍ’ዩ። መጀመርታ በርቂ ንርኢ ጽኒሕና ከኣ ድምጺ ነጐዳ ንሰምዕ ማለት’ዩ። ነጐዳ ብሰንኪ ምብታን(ፋሕ ምባል) ናይቲ ኣብ ከባቢ በርቂ ዝርከብ ኣየር’ዩ ዘጋጥም። በርቂ ኣብ ደመና ደኣ ይፈጠር’ምበር ናብ መሬት’ዩ ዝወቅዕ። ካብ መሬት ድማ በታ ቀዳመይቲ መንገዲ ናብ ደመና ይምለስ። ካብ በርቂ ዝፍጠር ዋዒ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝጸንሖ ኣየር የውዕዮ። ክሳብ 27 ሽሕ ዲግሪ ሰንቲግሬድ ከኣ ይበጽሕ። በርቂ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ንኽጓዓዝ ኣዝዩ ቅልጡፍ ስለዝዀነ እቲ ዝወዓየ ኣየር ፋሕ ንኽብል እኹል ግዜ ይስእን። ስለዚ ድማ እቲ ዝወዓየ ኣየር ይጭበጥ። ካብ 10 ክሳዕ 100 ዕጽፊ ናይቲ ንቡር ኣየር ጸቕጢ(pressure) ከኣ ይህልዎ። በዚ ድማ እቲ ተጨቢጡ ልዑል ጸቕጢ ዘለዎ ኣየር ይነቱግ(ይትኰስ)። ነዚ ድምጺ ኢና ድማ ነጐዳ ንብሎ። ኩሉ በርቂ ነጐዳ ክፈጥር ናይ ግድን ከምዘይኰነ ክንፈልጥ ከኣ ኣገዳሲ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x