ዝደመቑ ከዋኽብቲ

ኣብ ግዜ ምሸት ወይ ጸልማት፣ ናብ ሰማይ ኣብ እንጥምተሉ ግዜ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ከዋኽብቲ ንዕዘብ ኢና። ገለ ኣዝዮም ደመቕቲ ክኾኑ ከለዉ ገለ ድማ ህሳሳት ኮይኖም ይረኣዩና። ኣብ ዙርያ ጸሓይንን ፕላኔታት ጠፈርን ካብ ዝርከቡ ከዋኽብቲ ብድምቀት ዝለዓለ ብርሃን ዝውንን ኮኾብ ሲሩስ እዩ። እዚ ብስነ ፍልጠታዊ ኣጸዋውዓ ‘ኣልፋ ካኒስ ማጆሪስ’ ዝብል ስያመ ዝወሃቦ ኮኾብ ኣብ ዙርያ ምድሪ ካብ ዝርኣዩ እቲ ዝደመቐ ኮኾብ’ዩ። ብድምቀቱ ዛጊት መወዳድርቲ ዘይብሉ ኮኾብ ግን ‘ ኮኾብ ፒስቶል’ እዩ። እንተኾነ እዚ ኮኾብ ካብ ምድሪ ኣዝዩ ዝረሓቐ ብምዃኑ ኣብ ሰማያት ክረአ ኣይክእልን’ዩ። ንኮኾብ ሲሩስ ብምኽታል ኣብ ዙርያ ምድሪ ክረኣዩ ዝኽእሉ ዝደመቑ 10 ከዋኽብቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x