ዝበዝሑ ተጠቐምቲ ብሽክለታ ዘለዉዋ ሃገር

ልዕሊ 18 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኤውሮጳዊት ሃገር ሆላንድ ዝበዝሐ ናይ ብሽክለታ ኣገልግሎት እትህብ ሃገር’ያ። እዛ ብማያዊ ኣካል ዝተኸበት ሃገር ሰለስተ ርብዒ ካብ ህዝባ ብሽክለታ ከምዝጥቀም ይንገር። ኣብቲ ሃገር ዝርከብ መጠን ብሽክለታ ምስ መንጽር ህዝባ ክነጻጸር ከሎ ድማ ናይ ሓደ ሲሶ ሽፋን ይሕዝ። ብብዝሒ ብሽክለታ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ስፍራ ዝሓዛ ሃገራት ህንድን ፓኪስታንን’ኳ እንተኾና ብመንጽር ህዝበንን ደረጃ ኣጠቓቕማን ካልእ መጓዓዝያታትን ክነጻጸር ከሎ ግና ሆላንድ ኣብ ቅድሚት ከምእትስራዕ ይሕበር። ብተወሳኺ ሓውሲ ደሴት ሆላንድ ካብ ዓለም እታ ዝነውሑ ኣህዛብ ዝነብሩላ ሃገር ተባሂላ’ውን ትስመ’ያ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x