ወርሒ ስለምንታይ ኩሉ ግዜ ከባብ ኮይና ዘይትርኣየና?

ወርሒ ሓንሳብ ከባብ ሓንሳብ ፍርቂ ክቢ ሓንሳብ ድማ ኣዝያ ቀጢና ትርኣየና’ያ። ወርሒ ግን ሓደ ውሱን ቅርጺ’ዩ ዘለዋ። ንኩዑሶ ከኣ ትመስል። ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዋ ኮይና ትርኣየና ብሰንኪ’ቲ ካብ ጸሓይ ትረኽቦ ብርሃን’ዩ። ወርሒ ኣብ ዙርያ ምድሪ’ያ ትዘውር። ምድሪ ድማ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ትዘውር። ኣብ ከምዚ ዙረት ድማ ወርሒ ካብ ጸሓይ ትረኽቦ ብርሃን ዝተፈላለየ ይኸውን። ወርሒ እናዞረት፡ እቲ ናብ ጸሓይ ዝጥምት ክፋል ወርሒ ጥራይ’ዩ ብርሃን ዝረክብ። ፍርቂ ክፋል ናይ ወርሒ ብርሃን ክረክብ ከሎ  ኢና ድማ ምልእቲ(ከባብ) ወርሒ ንርኢ።

እዚ ማለት ግን ንወርሒ ብምሉኣ ንርእያ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሓደ ክፋላ ብርሃን ጸሓይ ስለዘይረክብ ክርኣየና ኣይክእልን’ዩ። ወርሒ ካብ ጸሓይ ምሉእ ብምሉእ ብርሃን እንተዘይረኺባ ክንርእያ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ወርሒ ዝተፈላለየ ቅርጺ ከምዘይብላ ክንፈልጥ ይግባእ። እቲ ዝርኣየና ቅርጺ ሓቀኛ ቅርጻ
ዘይኮነ፡ እቲ ብርሃን ዝረክብ ክፋላ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x